ብሕ.ኤ. ተመዊሉ ንስደተኛታት ኤውሮጳ ከይኣትዉ ክኽልክል ዝጸንሐ ፍሮንቴክስ፤ ባጀት ከይስለዓሉ ኣርቀቕቲ ሕጊ ወሲኖም

Radio Erena: 23 October 2022

ብሕብረት ኤውሮጳ ተመዊሉ ንስደተኛታት ኤውሮጳ ከይኣትዉ ክኽልክል ዝጸንሐ ትካል ፍሮንቴክስ፤ ባጀት ከይስለዓሉ ኣርቀቕቲ ሕጊ እቲ ሕብረት ወሲኖም።

ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክኣትዉ ንዝሕልኑ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ክገትእ ዝጸንሐ እቲ ትካል፤ ኣብ 2020 ዝተሰለዓሉ ባጀት ብምጥፋእን ብልሽውናን እውን ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ማያት ባሕሪ ሊብያ እንከለዉ ዝግትኡ ስደተኛታት፤ ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፤ ኣደዳ ስቓይን መግረፍትን ከምዝኾኑ ቃል ምስክርነቶም ክህቡ ጸኒሖም እዮም።

ፍሮንተክስ ኣብ 2022 ጥራይ ናይ 900 ሚልዮን ዩሮ ባጀት ተሰሊዑሉ እዩ ዶባት ኤውሮጳ ክሕሉ መዝነት ተዋሂቡዎ።

ኣብቲ ኣብ ስትራስቦርግ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዋዕላ፤ ኣርቀቕቲ ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ ብ345 ድምጺ ነቲ ትካል ባጀት ከይስለዓሉ ኣጽዲቑ።

ፍሮንተክስ ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ ዝተኣከበ ገንዘብ ተጠቒሙ፤ ንሕጋጋት ሕብረት ኤውሮጳ እንዳጠሓሰ ሱቕ ኢልና ክንዕዘብ ሞራላዊን ሕጋዊን ሓላፍነትና ኣይፈቕደልናን’ዩ፤ ክብሉ’ዮም እቶም ኣርቀቕቲ ሕጊ መግለጺኦም ዝህቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0