ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዘት እትግለጽ ዘላ መርከብ ዋንነታ ናይ ቶጎ ምዃና ተሓቢሩ

ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዝተታሕዘት እትግለጽ ዘላ መርከብ ዋንነታ ናይ ቶጎ ምዃና ተሓቢሩ

Radio Erena: January 22, 2014

Pirate ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘእቱ ወሽመጥ ዓደን ተጨውያ ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ከምዘምርሐት ዝተግለጸት ናይ ንግዲ መርከብ፣ ዋንነታ ናይ ቶጎ ምዃኑ ተረጋጊጹ።

እታ ካብ ወደብ ባጽዕ ኣስታት 400 ኪሎሜተር ሪሒቃ ከምዝተጨውየት እትግለጽ ዘላ መርከብ፣ ዋንነታ ናይ ቶጎ ደኣ ትኹን’ምበር፣ ሰራሕተኛታት ናይታ መርከብ ግብጻውያን ምዃኖም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደል ዓቲ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፣ እታ ባንዴራ ቶጎ እተንበልበለት ሰንበት ረፋድ ዝተጨየት መርከብ፣ ሰራሕተኛታት ግብጻውያን ምዃኖም ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ብዝሒ ናይቶም ምስታ መርከብ ተጨውዮም ዘለዉ ግብጻውያንን ንኽፍትኡ ክካይድ ብዛዕባ ዝክእል መስርሕን’ውን ኣብ ቶጎ ምስ ዝርከብ ኣምባሳደር ግብጺ ከምእተዘራረቡ ሓቢሩ።

 

እታ ድሕሪ 2012 ንመጀመርያ እዋና እትጭወይ ዘላ መርከብ፣ ፈለማ ብሶማላውያን ሸፋቱ ባሕሪ ከምዝተጨውየት እኳ እንተተገልጸ፣ ነቲ ቦታ ብዝቖጻጸር ሓይሊ ባሕሪ ኔቶ ድሒሩ ብዝቐረበ ሓበሬታ ግና፣ ኣብታ መርከብ ዝደየቡ ሸፋቱ ባሕሪ ዘይኮኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምዃኖም ጠቒሶም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብኣህጉራዊ በዓል መዚ ማሪታይም፣ ኔቶን ሓያሎ ማዕከናት ዜናን ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

እቲ ሓበሬታ ገና ምሉእ ብምሉእ ክረጋገጽ እኳ እንተዘይክኣለ፣ እታ ብሰንበት ንግሆ ዝተጨየት ናይ ንግዲ ምዃና እትግለጽ ዘላ መርከብ ኣብ ኢድ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከምዘላ’ዩ ኔቶ ዝኣምን።

እታ ኣብ ክሊ ወሽመጥ ዓደን ዝተታሕዘን መርከብ፣ ናብ ገማግም ባህሪ ገጻ ከምዘምርሐት ዝጠቐሰ ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ መራኽብ ብሪጣንያ ዝከታተል ኣሃዱ’ውን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ገማግም ባህሪ ኤርትራ ተጸጊዓ ክትህሉ ከምእትኽእል ኣንፊቱ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ’ዚ ብኣህጉራዊ በዓል መዚ ማሪታይምን ኔቶን ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብ ታሕሳስ 2010’ውን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ክሊ ማይ ኤርትራ ኣትዮም ንዝበሎም ኣርባዕተ ብሪጣናውያን ምስ ጃልብኦም ከምዝሓዘ ኣይርሳዕን።

ኣብ ክሊ ገማግም ባሕሪ ሶማል ብፍላይ ድማ፣ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ንምክያድን ሓተላ ፋብሪካታት ንምጉሓፍን ብሕቡእ ዝመጸ መራክብ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦትን ብብዝሒ ከምዘለዋ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብተደጋጋሚ ምጽንሐን ዝፍለጥ’ዩ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0