ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳግማይ ክትግበር ዝተወሰነ ምርጫ ኬንያ ተኻይዱ

ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳግማይ ክትግበር ዝተወሰነ ምርጫ ኬንያ ተኻይዱ

Radio Erena: 27 October 2017

uhuru kenyata

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ዳግማይ ክትግበር ዝወሰነሉ ምርጫ ኬንያ፣ ትማሊ 26 ጥቅምቲ ክካየድ ውዒሉ።

ኣብዚ ኣስታት 19 ሚልዮን ኣድመጽቲ ዘሳተፈ ምርጫ ኬንያ፣ ውጽኢቱ ብወግዒ እኳ እንተዘይተነግረ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኡሁሩ ኬንያታ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ይዝረብ ኣሎ።

ኣብዚ ዳግማይ ክካየድ ዝተወሰነ ምርጫ ኬንያ፣ ቀንዲ መወዳድርቲ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ራይላ ኦዲንጋ፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ዩ።

ራይላ ኦዲንጋ ካብቲ ምርጫ ዝሰሓበሉ ምኽንያት፣ ኣባላት ቦርድ ምርጫ ስለዘይተቐየሩ፣ ኣብ መስርሕ ምርጫ ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ዝፍለ ነገረ ኣይክልህልዎን’ዩ ብምባል’ዩ።

 

ሓንቲ ካብ ላዕለዎት ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር፣ ካብታ ሃገር ድሕሪ ምውጽኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዝካየድ ምርጫ ትርጉም ከምዘይህልዎ ምግላጻ ኣይርሳዕን።

ኣብቲ ቀንዲ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ራይላ ኦዲንጋ ዘይተሳተፎ ናይ ትማሊ ምርጫ፣ ካልኦት ፖለቲከኛታት ክወዳደሩ እኳ እንተኸኣሉ፣ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ክብድሁ ግና ከምዘይክእሉ ብኣግኡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ 8 ነሓሰ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኡሁሩ ኬንያታ 54 ናይ ድምጺ ብልጫ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ እኳ እንተሓበረ፣ ኣርባዕተ ካብ ሽዱሽተ ኣባላት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብዝሃብዎ ድምጺ ግና እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ መስርሕ’ዩ ተኸቲሉ ብምባል ንውጽኢቱ ከምዝሰረዞ ይዝከር።

ድሕሪ ወግዓዊ ምንጋር ውጽኢት ምርጫ ኬንያ፣ ናዕብን ዕግርግርን ከይጎሃሃር፣ ኣብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ጽዑቕ ሓለዋ ይካየድ ምህላዉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይጠቕሳ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0