ቤት ፍርዲ ካናዳ፣ ኔቭሰን ንዘቕረቦ ጥርዓን ነጺጉ

Radio Erena: 01 March 2020

ነቭሰን ሪሶርስስ፣ ብሰለስተ ኤርትራውያን ንዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይረኣይ ንዘቕረቦ ጠለብ ብቤት ፍርዲ ካናዳ ተነጺጉ።

ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ነቭሰን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምሽራኽ ኣብ ፕሮጀክት ቢሻ ዘካይዶ ዘሎ ዕደናዊ ንጥፈታት ብግዱድ ዕስክርናን፣ ምስ ዘበናዊ ባርነት ዝተኣሳሰር ኣተሓሕዛ ንኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከሸቅል ከምዝጸንሐ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ነቲ ብሰለስተ ኤርትራውያን ዝቐረበሉ ክሲ ደው ከብል ከምዝሃቀነ ሓቢሩ።

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ካናዳ ኣብ ዘወዓሎ መጋባእያ፣ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ምስ ግዱድ ዕስክርናን ክሳብ ባርነት ዝኸይድ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝትንክፍ፣ ሰፊሕ መርትዖታት ተኣኪቡሉ ግቡእ ፍርዳዊ መስርሕ ክካየደሉ ወሲኑ።

ሓልዮት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ መግለጺኡ፣ ቤት ፍርዲ ካናዳ እቲ ጉዳይ ክረኣይ ምውሳኑ፣ ነቲ ነቭሰን ክፈጥሮ ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ዘፍሽል ጥራይ ዘይኮነ፣ ንካልኦት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሻሪኾም ናጻ ጉልበት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝምዝምዙ ዘለዉ ዓቢ መጠንቀቕታ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዕደናዊ ንጥፈታት ናጻ ጉልበት መንእሰያት ይምዝምዝ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሰራሕተኛታት ንህይወቶም ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነ ናይ ስራሕ ቦታ ብዘይመድሕን ምውፋሩ፣ ዘይብቑዕ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን፣ ሕጽረታት ማይን መግብን ወዘተ ዝኣመሰሉ ክስታት ብተደጋጋሚ ክቐርቡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ነቭሰን ሪሶርስስ፣ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበን፣ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ፣ ተፈጺሙ እንተኾይኑ ከኣ ሰራሕተኛታት ዝቕርብ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝኾነ፣ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኤርትራ ክረኣይ እዩ ክሓትት ጸንሑ።

እንተኾነ ቤት ፍርዲ ካናዳ ነዚ ኩሉ ብምንጻግ፣ እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ካናዳ ክጅመር ወሲኑ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0