ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ንሽዱሽተ ኣባላት ናይቲ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ሓይሊ ምልሻ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ሂቡ

Radio Erena: 08 August 2021

ቤት ፍርዲ ሱዳን፣ ንሽዱሽተ ኣባላት ናይቲ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ሓይሊ ምልሻ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን ዝርከብ ኣል ዑበይድ ዝተባህለ ቤት ፍርዲ፣ ነቶም ሽዱሽተ ኣባላት ምልሻ፣ ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ ሰልፈኛታት ተመሃሮ ቀቲልኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እዩ ኣጽኒሑዎም።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2019 ኣብ መላእ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ፣ እቲ ብሓምዳን ዳግሎ ዝምራሕ ምልሻ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸመ እዩ ዝኽሰስ።
እቲ ሓይሊ ምልሻ፣ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብምዕጣቕን ህዝቢ ብምጭፍጫፍን እውን ይኽሰስ እዩ።
መራሒ ናይዚ ብዝተፈላለየ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ዘሎ ምልሻ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምኽትል ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ቆንስል ሱዳን ኮይኑ ተመዚዙ ይርከብ።
ንሱ ሰራዊቱ ምስ ስሩዕ ሰራዊት ሱዳን ክጽምበር ንዝብል ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት’ታ ሃገር ዝቐረበሉ ጻውዒት ክነጽጎ’ዩ ጸኒሑ።
ብዘይካ’ዞም ተመሃሮ ሰልፈኛታት ብምቕታል ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂቡዎም ዘሎ ኣባላት ምልሻ፣ ካልኦት ሓያሎ እውን ሰልፈኛታት ንምብታን ብዝተጠቕሙሉ ኣረሜናዊ ሜላታት ተኸሲሶም ይርከቡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0