ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዝወጸ ቅድመ ኣዋጅ ኣብ ህዝቢ ሻቖሎት ይፈጥር

ባጤራ ናቕፋ ንምቕያር ዝወጸ ቅድመ ኣዋጅ ኣብ ህዝቢ ሻቖሎት ይፈጥር

Radio Erena: 06 November 2015

Nakfa

መንግስቲ ኤርትራ ንምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣመልኪቱ፣ ዘውጽኦ ቅድመ ኣዋጅ ኣብ ህዝቢ ሻቖሎት ፈጢሩ።

እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ናይ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ቅድመ ኣዋጃ ዝገብር ዘሎ፣ ነቲ ብሰንኪ ዝቕባበብን ምድካም ናይ ምዕዳግ ዓቕሙን፣ ህዝቢ ኣብ’ቲ ገንዘብ ይኹን ባንክታት እምነት ስለዝሰኣነ፣ ካብ ኣብ ባንክታት ኣብ ገዝኡ ይሕዞ ስለዘሎ፣ ነቲ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ከምዝእከብ ንምግባር፣ ህዝቢ ወኒንዎ ናይ ዘሎ መጠን ገንዘብ ከኣ ንምቁጽጻር ምዃኑ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ክኢላታት ቁጠባ የረድኡ።

 

መጠን ሸርፊ ባጤራ ናቕፋ፣ ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዕጽፍታት ስለዘንቆልቆለ፣ እቶም ብዝሒ ዘለዎ ገንዘብ ዝውንኑ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ባንክታት ዘቕምጥዎ ከም ገዛን ካልእን ዝኣመሰለ ንብረት ከሰጋግርዎ ከምዝጸንሑ’ውን ይፍለጥ።

ብነጋዶ ይኹኑ ብካልኦት ካብ ወጽኢ ዝግበር ዘይጋዊ ሓዋላ ከኣ፣ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ንዝግብኦ ውህለላ ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣዳኺሙዎ’ዩ።

መጠን ሸርፊ ባጤራ ናቕፋ ብመንጽር ብባንክታትን ሂምቦልን ዝግበር ሸርፊ ምስቲ ብዘይሕጋዊ ብጸሊም ዕዳጋ ካብ ወጻኢ ዝግበር ሓዋላን ክነጻጸር እንከሎ ናይ ልዕሊ 200 % ፍልልይ ኣለዎ።

እዚን ካልእን ተደማሚርርሩ፣ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ዝርከብ ብዝሒ ናቕፋ እናወሓደን፣ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዝንቀሳቀስ ገንዘብ ከኣ እናበዝሐን ከምዝኸይድ ጌርዎ።

መንግስቲ ነዚ ንምቁጽጻር እቲ መንግስቲ፣ ዝኾነ ሰብ ካብ 20 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ኣብ ከይሕዝን፣ ካብ ባንክ ንዝወጽእ ብዝሒ ገንዘብ’ውን ሕጋዊ ምኽንያት ክቐርብ ከገድድ እኳ እንተጸንሐ፣ ክፈትሖ ግና ኣይከኣለን።

ካብ ዝተወሰነ ብዝሒ ገንዘብ ንምስግጋር ብመንገዲ ባንክ ክኸውን ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ዝስርሓሉ ኣገባብ ክንሱ፣ ኣብ ኤርትራ ክስርሓሉ ኣይጸንሐን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ንብምሉኡ’ቲ ናይ ወረቀት ባጤራ ናቕፋ ብምቕያር፣ ነቲ ፋሉል ከይዱ ዘሎ ዑደት ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዕዳጋ ንምቁጽጻር ጻዕርታት ይገብር ምህላዉ’ዮም ዘረድኡ እቶም ክኢላታት።

ይኩን’ምበር ዑደት ሓደ ባጤራ ኣብ ዕዳጋ ምቁጽጻሩ ዝከኣል፣ ርጉእ ቁጠባ ምስ ዝህሉ ጥራይ ምዃኑ ብምትሕስሳብ፣ እዚ ሕጂ ቅድመ ኣዋጅ ዝግበረሉ ዘሎ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ፣ ግዝያዊ እንተዘይኮይኑ ነባሪ ፍታሕ ከምዘይህልዎ እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ የረድኡ።

ባጤራ ናቕፋ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “እቲ ናይ ወረቀት ባጤራ ብሕብርን ዓቐንን ተመሳሲሉ ኣብ ህዝቢ ምድንጋር ኣይፈጥርን ዶ?” ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ፣ ባጤራ ናቕፋ ኣይኮነን ዶ ሰብ ህበይ’ውን ክትፈላልዮ ትኽእል’ያ ምባሉ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር ባጤራ ናቕፋ ኣብ 1997 ካብ ዝተኣታተወሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብሕብሪን ዓቐንን እናተመኻነየ ሰለስተ እዋናት ተወሳኺ ሕታማት ብብዝሒ ከምዝተዘርግሐ ይፍለጥ።
===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0