ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማል ተወሳኺ እገዳ ኣጽዋር ከምዘየንብርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ክልዓል ተስፋ ከምዘየለን ተሓቢሩ

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማል ተወሳኺ እገዳ ኣጽዋር ከምዘየንብርን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ድማ ኣብ ዝሓጸረ ክልዓል ተስፋ ከምዘየለን ተሓቢሩ

Radio Erena: February 26, 2014

UN mon

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ልዕሊ ሶማል ተወሳኺ እገዳ ኣጽዋር ከምዘየንብር ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ገሊጾም።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘቕረቦ ፍሉይ ጸብጻብ፣ ባይቶ ጸጥታ ንገለ ክፋል እገዳ ኣጽዋር ድሕሪ ምልዓሉ፣ ኣብ ሶማል ዋሕዚ ጠበናጁ ይርአ ምህላዉ ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ፣ ወትሃደራዊ ዓቕሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንምሕያል፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ገለ ክፋሉ ከልዕሎ እኳ እንተወሰነ፣ ብመሰረት እቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዘቕረቦ ጸብጻብ ግና፣ እቲ ውሳነ ዋሕዚ ጠበናጁን ካልእ ፈኮስቲ ብረትን ናብ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት የስዕብ ኣሎ ክብል’ዩ ጠቒሱ።

 

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ድማ እቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝቐረበ ጸብጻብ፣ ንወትሃደራዊ ዓቕሚ እቲ መንግስቲ ዘዳኽም’ዩ ክብል ነቒፍዎ።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሶማልን ኤርትራን፣ ኣብ ናይ ሶማል ኣመልኪቱ ፍሉይ ጸብጻብ ከቕርብ እንከሎ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ግና ተወሳኺ መጽናዕታት ኣብ ምድላው’ዩ ዝርከብ።

ነዚ ንምስላጥ ድማ፣ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቢለኢጁምን ግብጽን ርክባት ከምዘካየደ’ዩ ዝሕበር።
ማዕከናት ዜና ሶማል ብዘቕረብኦ ጸብጻብ መሰረት፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ14 ለካቲት ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ከምዝተራኸቡ ክጥቐስ እንከሎ፣ ኣቐዲሙ ብዝቐረበ ካልእ ሓበሬታ ድማ፣ እቲ ጉጅለ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤልጁን ከምዝተራኸበ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ እቲ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝቐረበ ጸብጻባት ውድዓዊ ከምዘይኮነን ብዙሕ ግምት ከምዘይህቦም ደጋጊሙ ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ነቲ ካብ 2009 ኣትሒዙ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓለሉ ግና ምስቲ ጉጅለን ካልኦት ጽልዋ ዘለዎም መንግስታትን ዲፕሎማሰኛታትን ብምስጢር ርክባት ንምክያድ ይጽዕር ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

እንተኾነ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዘሎ ዝተፈላለየ እገዳታት ኣብ ዝሓጸረ ከልዕሎ ተስፋ ከምዘየሎ ሓያሎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይእምቱ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0