ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ንዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ንዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ

Radio Erena: 30 November 2017

libya_refuguesባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ብዝምልከት ህጹጽ ኣኼባ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ብጠለብ ፈረንሳ ብሰሉስ 28 ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ መሸጣ ደቂ ሰብ ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን እገዳ ክትግበር ኣብ ዝብል እማመ ዘትዩ።

ነቲ እማመ ዘቕረበ ኣምባሳደር ፈረንሳ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ፍራንስዋ ደላትኽ፣ ፈረንሳ ኣብቲ መሸጣ ደቂ ሰብ ዝተዋፈሩ ሰባት ይኹን ጉጅለታት ኣብ ምልላይ ምስ ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ክትተሓባበር ቅርብቲ ከምዘላ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሊብያ መሸጣ ስደተኛታት ሓድሽ ተርእዮ እኳ እንተዘይኮነ፣ ድሕሪ’ቲ ብሲኤንኤን ዝቐረበ ንስደተኛታት ከም ባራዩ ንዕዳጋ እናውረደ፣ ብ400 ዶላር ክሸጡ ዘርኢ መደብ ግና ብደረጃ ዓለም ቁጠዐ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ኤምባሲ ሊብያ ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብቲ ጉዳይ ብዕቱብ ይዋሳእ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑዌል ማክሮን፣ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኣብ ሊብያ መዋጽኦ ስኢኖም ዘለው ስደተኛታት ነናብ ዓዶም ንምምላስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓባር ክሰርሓ ጸዊዑ።

እንተኾነ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ መሸጣ ደቂ ሰብ ካብ ምቅዋምን ምኹናንን ሓሊፈን ዛጊት ዝወሰድኦ ስጉምቲ የለን።

ኣብ ሊብያ ኣስታት 8 ሽሕ ኤርትውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 50 ሽሕ ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘለዉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0