ባይቶ ጸጥታ፣ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ

ባይቶ ጸጥታ፣ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሕዎ

Radio Erena: 25 October 2015

UN san

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቖሞ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኤርትራን ሶማልያን፣ ዕድመ ስልጣኑ ከምዝተናወሐ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ብ23 ጥቅምቲ ኣብ ዝገበሮ ዋዕላ፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ክሳብ 15 ታሕሳስ 2016 ክጸንሕ ንዝብል እማመ ብ14 ድምጺ ‘እወ’ ብ1 ድምጺ ተዓቅቦ ምሉእ ብምሉእ ጸዲቑ።

ድምጺ ተዓቅቦ ዝገበረት ሃገር ቨንዙወላ እያ።

ባይቶ ጸጥታ ብተወሳኺ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ከምዘለዎ ክቕጽል ኣብ ስምምዕ በጺሑ። ከምዝዝከር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2009 መንግስቲ ኤርትራ ንጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ሶማልያ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ይገብር ኣሎ ብዝብል ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቀብ ገይሩ እዩ።

 

ብባይቶ ጸጥታ ዝቖመ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ መርመራ ከካይድ ንዘቕረቦ ጠለብ መንግስቲ ኤርትራ ብዘይምቕባሉ፣ ኣብዚ ናይ ዕለት 23 ዋዕላ እቲ ባይቶ ደጊሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። ባይቶ ጸጥታ ኣብ ጻውዒቱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዕማም ተቖጻጻሪ ጉጅለ ንምስላጥ ምትሕብባር ከርእይ፣ ሓበሬታ ክህብ፣ ቁጠባዊ ምሕደርኡ ክፉት ክገብር ጸዊዑ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2008 ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡቲን ድሕሪ ዝተኻየደ ውግእ ብኤርትራ ናይ ዝተማረኹ ወተሃደራት ጂቡቲ ደሃይ ከፍልጥ እውን ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ነዚ ብዝምልከት መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ንውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ብምሉኡ ድሕሪ ምንጻግ፣ እቲ ባይቶ መሳርሒ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣመሪካ ስለዝኾነ ኤርትራን ዞባኣን ግዳያት ኮይነን ኣለዋ ኢሉ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0