ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንጽልኢ ዘጎሃህርን፣ ናይ ሓሶት ወረ ምዝርጋሕን ብዝምልከት ሕጊ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 16 February 2020

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንጽልኢ ዘጎሃህርን፣ ናይ ሓሶት ወረ ምዝርጋሕን ብዝምልከት ሕጊ ከምዘጽደቐ፣ ዘ ሪፖርተር ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ብሓሙስ 13 ለካቲት ዝጸደቐ ሕጊ፣ ኣከራኻሪ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ሕጊ ንኸይጸድቕ ዝተቓወሙ ኣባላት’ቲ ባይቶ፣ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዘረጋግጽ ዓንቀጽ 29 ቅዋም’ታ ሃገር ዝጻረር እዩ ብምባል ከምዝኾኑ ይግለጽ።

በዚ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ መሰረት፣ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይኹን ኣብ ጋዜጣ፣ ብጽሑፍ፣ ብድምጺ፣ ብስእሊ፣ ከምኡ’ውን ብቪድዮ፣ ንናዕቢ ዘለዓዕል ናይ ጽልኢ ትሕዝቶ ክፍኑ፣ ወይ ናይ ሓሶት ወረ ብምዝርጋሕ እንተተኸሲሱ፣ ክሳብ ናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ወይ ከኣ ናይ 100 ሽሕ ብር መቕጻዕቲ ገንዘብ ክብየነሉ እዩ።

እዚ ኣከራኻሪ ሕጊ፣ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነ፣ ንፖለቲከኛታት ጥራይ ዝምልከት ክኸውን ኔሩዎ ክብሉ’ዮም ገለ ወገናት ተቓውሞታቶም ዘስምዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ዝውላዕ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ግጭታት ብማሕበራዊ ሜድያ ዝተጎሃሃረ እዩ ኢሉ’ዩ ዝኣምን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0