ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ጄኔቫ ኣኼባ የካይድ ኣሎ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ጄኔቫ ኣኼባ የካይድ ኣሎ

Radio Erena: January 29, 2014

UNHRC

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤርትራ ናይ እትርከበን 42 ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም፣ ኣብ ጄኔቫ ኣኼባ የካይድ ኣሎ።

እቲ ካብ 27 ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ 7 ለካቲት ዝካየድ ዘሎ ብ Universal Periodic Review (UPR) ዝፍለጥ ኣኼባ፣ ናይተን ብምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ 42 ሃገራት ዓለም፣ ኣብዛ ዝተዛዘመት ዓመት ናይ ዝነበረ ኩነታት ክግምግም’ዩ።

 

ኣብቲ ኣኼባ ብፍሉይ ካብ ዝቐርባ ሃገራት ኤርትራ ብቐዳምነት እትጥቐስ ኮይና፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፣’ ሰሜን ኮርያ፣ ኢራን፣ በርማን ኢትዮጵያን ናይ ዝርከብአን’ውን ሃገራት’ውን ብዝያዳ ክትኮረሉ’ዩ።

ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንምግምጋም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ፍልይቲ ልእኽቲ ሸይላ ኪታሩት ናብ ኤርትራ ከይትኣቱ ብመንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ምኽልኻላ፣ እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ካልኦት ሃገራትን ተሰዲዶም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ካልኦትን ብዝኣከበቶ ሓበሬታ’ያ ቀዳማይ መጽናዕታ ዘቕረበት።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ሓደ ጉጅለ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምግምጋም ኣብ ኤርትራ ከምዝኣተወ፣ ብማዕከናት ዜና ተደናገጽቲ መንግስቲ ኤርትራ ይቐርብ ኣሎ።

ብመሰረት እቲ በተን ማዕከናት ዜና ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፣ እቲ ጉጅለ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ኣብቲ ካብ 27 ክሳብ 7 ለካቲት ኣብ ጄነቫ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ጸብጻቡ ከቕርብ’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት ደቂ ኣዳም ዝተፈልጠ’ዩ።
===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0