ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ

Radio Erena: 15 November 2017

UNSC Er Sanction

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናውሖ ተገሊጹ።

እዚ ባይቶ ነቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዝጸንዐ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ዝዝስን ዘሎ፣ ንጸብጻብ ተቖጻጻሪት ጉጅለን ኮሚተ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ንምስማዕ ብ14 ሕዳር ድሕሪ ድሕሪ ዘካየዶ ዘካየዶ ኣኼባ’ዩ።

11 ካብተን 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፣ እገዳ ክናዋሕ ክድግፋ እንከለዋ፣ ሩሲያ፣ ቻይና ግብጽን ቦሊቭያን ግና ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ተቖጻጻሪ ጉጅለ ኣብ ጸብጻቡ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ይድግፍ ከምዘሎ ዘረጋግጽ መርትዖ ክርከብ ከምዘይክኣለ እኳ እንተደምደመ፣ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያን ጅቡትን የዕጥቕ ከምዘሎ ግና ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ጉጅለ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኩባንያታት ሩስያ፣ ኢጣልያን ቸክ ሪፖብሊክን ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረ እገዳ ብምጥቃስ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ይገብራ ምህላወን ኣነጺሩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መንግስቲ ኤርትራ ኣልሸባብ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ሶማል ይተሓባበር’ዩ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 ማዕቀብ ክገብረሉ እንከሎ፣ ኣብ 2011 ድማ ምስ ጅቡቲ ብዝተሓሓዝ ካልእ ጉዳይ ተወሳኺ እገዳ ከምዘንበረ ኣይርሳዕን።

ንኩነታት ኤርትራን ሶማልን ከጽንዕ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ፣ ኣብዚ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ኣትሒዙ ምስ ኣልሸባብ ርክብ ከምዘለዎ ዘረጋግጽ መርትዖ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ ንኤርትራን ሶማልን ኣጣሚሩ ዝተወሰነ ማዕቀብ ክለዓል’ዩ ለበዋ ኣመሓላሊፉ።

እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ምስ ኣባላት ኮሚተ እገዳንን ተቖጻጻሪት ጉጅለን ምትሕብባር ብምሕንጋዱ ኣብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ኣሉታዊ ምትእትታው ብምህላዉን ተወሳኺ ምጽራይ ክሳብ ዝካየድ እቲ እገዳ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክናዋሕ ከምዝኽእል ዝተፈላለዩ ወገናት ግምታቶም ክቡ ጸኒሖም’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0