ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ 1.3 ቢልዮን ዶላር ከለቅሓ’ዩ

ባንክ ዓለም፣ ንኢትዮጵያ 1.3 ቢልዮን ዶላር ከለቅሓ’ዩ

Radio Erena: 03 October 2017

world bank ethiopia

ባንክ ዓለምን ኢትዮጵያን ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ናይ ልቓሕ ውዕል ከምዝኸተሙ ተገሊጹ።

እቲ ብምልክዕ ልቓሕን ምወላን ንኢትዮጵያ ክወሃብ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ዘሎ ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ፣ ኣብ ምምሕያሽ ምሕደራ መንግስቲ፣ ምቕናስ ድኽነትን ምምካት ደርቅን ክውዕል’ዩ።

እቲ ውዕል ከምዝተኸተም ብ29 መስከረም ዘረጋገጸ ባንክ ዓለም፣ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ኣብ ምስፋሕ ምዕሩይ ዝርግሐ ከም ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ክውዕል ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተረፈ ኣስታት 600 ሚልዮን ዶላር ድማ ኣብ ምምዕባል ናብራ ገጠራትን ኣብ ማእቶታዊ ስራሕ ንዝዋፈሩ ኣስታት 8 ሚልዮን ሰባት ብመልክዕ መግቢ ንዝወሃብ ሓገዝን ዘተኮረ’ዩ።

ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ክንድዚ ዝኣክል ልቓሕን ምወላን ዝፈቕደላ ዘሎ ድሕሪ’ቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብዛዕባ’ታ ሃገር ዝሃቦ ገምጋም’ዩ።

ወከልቲ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ካብ 12 ክሳብ 26 መስከረም ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ፣ እታ ሃገር ዘተባብዕ ናይ ወፍርን ንግድን ሃዋሁ እኳ እንተለዋ ግና ብዙሕ ክመሓየሽ ዘለዎ ነገራት ምህላዉ ኣብ ጸብጻቦም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ከለቅሓ እዚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ዞባዊ ወኪል ባንክ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ዑደት ከምዘካየደ ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እንተኾነ፣ ኣብ መንጎ ባንክ ዓለምን ኤርትራን ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተፈልጠ ነገር የለን።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0