ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት 12 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ጸዓት ወፍሪ ንምክያድ ይውጥን

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት 12 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ጸዓት ወፍሪ ንምክያድ ይውጥን

Radio Erena: 17 April 2018

AfDB

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን 11 ሃገራት ኣፍሪቃ 12 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ናይ ጸዓት ወፍሪ ከካይድ መዲቡ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዘንቀደ ናይ ጸዓት ወፍሪ፣ ን10ታት ሚልዮናት ነበርቲ እዘን ሃገራት ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ንምትእትታው ዝዓለመ’ዩ።

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣይቮሪኮስት፣ ርእሰ ከተማ ኣቢጃን ኣብ ጸዓት ዘተኮረ ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ።

እዚ ናይ ጸዓት ወፍሪ ኣብ ቅናት ሳሕለ-ሰሓራ ንዝርከባ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ቻድ፣ ማሊ፣ ሰኔጋል፣ ሞሪታንያ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ኒጀርን ናይጀርያን ዘጠቓለለ ምዃኑ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ብ9 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

ኣብዘን ሃገራት ብድምር ኣስታት 400 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ክህሉ እንከሎ፣ ፍርቁ ዝኾነ ይኹን ጸዓት ወይ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ዘይተባጽሖ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0