ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ትዝከር

ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኤርትራውያን ትዝከር

awateባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ በበይኑ ኩርናዓት ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።
ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቶም በብእብረ ዝጸቐጡዎ ገዛእቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ናጽነት ንምርካብ ዝጀመሮ ብረታዊ ቃልሲ፣ ከቢድ ዋጋ ከፊሉሉ’ኳ እንተኾነ፣ ሃገሩ ዳግማይ ንክውንን ቦኽሪ ብረታዊ ዝጀመረላ ዕለት ብምዃና ባሕቲ መስከረም ኣብ ዓውደዋርሕ ኤርትራ ብክብሪ እትዝከር መዓልቲ’ያ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓያሎ ደምበታት ተመቓቒሉ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ብረታዊ ቃልሲ መሬት ኤርትራ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ስለዘየረጋገጸ፣ እቲ ቃልሲ ገና ይቕጽል’ዩ ዘሎ ዝብል ብሓደ ወገን፣ እቲ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ስለዝነበረ ብዓወት ተዛዚሙ’ዩ፣ ዝብል በቲ ካልእ ወገን ብዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ንባሕቲ መስከረም ይዝክር ኣሎ።
ብሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝጀመረ ፈላሚ ብረታዊ ገድሊ፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ መስገደል ዝዝክረላ ዕለት ደኣ ትኹን እምበር፣ ባሕቲ መስከረም፣ ነቲ ገና ብግቡእ ዘይተሰነደ ታሪኹን ቅያታቱን ኣብ ግቡእ መዝገብ ከስፍረሉ ዝጽበዮ ዘሎ ከቢድ ዕማም’ውን ዝዝክረላ ዕለት ክትከውን ይግባእ ክብሉ ፖለቲከኛታት ኤርትራ የዘኻኽሩ።
ናይዚ ዕማም’ዚ መሪሕ ተራ ሒዙ ክዋሳእ ዝግብኦ መንግስቲ ኤርትራ’ኳ እንተኾነ፣ ኣጋጢሙዎ ብዘሎ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ዲፕሎማስያዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ቀዳምነት ሂቡ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምድልዳል ዕድመ ስልጣኑ ስለዝኾነ፣ ኩሉ ዜጋ በብወገኑ ኣበርክቶ ክገብር ካብ ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ዝቐርብ ምሕጽንታ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0