ቢንያም፣ ኣብ 10ይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢጣልያ ቀዳማይ ብምውጻእ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ታሪኽ ሰኒዱ

Radio Erena: 17 May 2022

ተቐዳዳማይ በልጅዩማዊት ዎርልድ ቱር ቲም፡ Intermarché – Wanty – Gobert Matériaux ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ’ዲ ኢጣልያ ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው፡ ኣብ ታሪኽ ውድድር ግራንድ ቱር ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ መድረኽ ብምዃን ስሙ ኣብ ታሪኽ ሰኒዱ።

ወዲ 22 ዓመት ቢንያም ግርማይ፡ ነዚ ዓወት ዘመዝግብ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ካብ ዘካየዶም 9 መድረኻት፡ ኣብ’ቲ 5 ንቅድድሙ ምስ ቀዳሞት 5 ተቐዳደምቲ ብድሕሪ ምፍጻሙ እዩ።

ምክትል ሻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ዝኾነ ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት’ውን፡ ኣብ መበል 84 ውድድር ክላሲክ Gent-Wevelgem ቀዳማይ ብምውጻእ ታሪኽ ሰሪሑ ኔሩ እዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0