በዓል ስልጣን መጎዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ወደብ ባጽዕ ክቆጻጸር ዝኣተዎ ጨረታ ክዕወት ተስፉኡ ገሊጹ

በዓል ስልጣን መጎዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ወደብ ባጽዕ ክቆጻጸር ዝኣተዎ ጨረታ ክዕወት ተስፉኡ ገሊጹ

Radio Erena: 09 September 2018

massawaበዓል ስልጣን መጎዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ወደብ ባጽዕ ክቆጻጸር ዝኣተዎ ጨረታ ክዕወት ምሉእ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ትካል ኣቶ ሮባ መገርሳ ንጋዜጠኛታት ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ወደብ ባጽዕ ምሉእ መሳርሒታት ዝውንን እኳ እንተኾነ፣ ንሓያሎ ዓመታት ግቡእ ኣገልግሎት ክህብ ኣይጸንሐን ኢሉ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ንኣገልግሎታት ወደብ ባጽዕ ክቆጻጸሮ እንተኽኢሉ መጎዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንግዳዊ መስመራቱ ብዝተዓጻጸፈ ክሰፍሕ ምዃኑ ገሊጹ።

 

መጎዓዝያ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ ንግድ መራኽብ ክገዝእ መደብ ኣለዎ’ዶ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ኣቶ ሮባ መገርሳ፣ እቲ ትካል ናይ ቀረባ መደባ’ኳ እንተዘይብሉ፣ ምስ ምስፋሕ መስመራትን ኣገልግሎታት ወደብን ኣብ መጻኢ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ካርጎ መራኽብ ክህልዎ ከምዝኽእል ገሊጹ።

ንኣገልግሎት ወደብ ባጽዕ ንምቁጽጻር ሓያሎ ተመኩሮ ዘለወን ትካላት ይወዳደራ እኳ እንተለዋ፣ ድሕሪ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኤርትራን ርክቡ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስን፣ ኣገልግሎት ባሕርያ ኢትዮጵያ ነቲ ጨረታ ክዕወተሉ ምሉእ ተስፋ ከምዘለዎ’ዩ እቲ በዓል ስልጣን ዝገልጽ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝግበር ንግዳዊ ርክብ፣ ኤርትራ ምህርቲ ዓሳ ከተቕርብ፣ ኢትዮጵያ ከኣ ምህርቲ ጣፍ ከተቕርብ ዝርከቦ ሓያሎ ስምምዓት ኣካዪዶም’ዮም።

ወደባት ኤርትራ እውን ንኢትዮጵያ ክፉታት ጥራይ ዘይኮና፣ ብርትዓዊ ዋጋ ኣገልግሎት ክህባ ምዃነን እዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ንኣገልግሎት ወደብ ባጽዕ ንምቁጽጻር ዝግበር ዘሎ ጨረታ ዝሳተፍ ዘሎ ኣገልግሎት ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ዋንነት ብርክታቱ ኣብ ዜጋታት ኢትዮጵያ ጥራይ ተሓጺሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንወጻእተኛታት እውን ክፉት ኮይኑ ከምዘሎ ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0