በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ብስም “ውህሉል ዕዳ” ሰሊዕዎ ብዘሎ ክፍሊት፣ ህዝቢ የማርር

በዓል መዚ ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ብስም “ውህሉል ዕዳ” ሰሊዕዎ ብዘሎ ክፍሊት፣ ህዝቢ የማርር

Radio Erena: 12 February 2018

ELPA

በዓል መዚ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኤርትራ፣ ብስም “ውህሉል ዕዳ” ንዓማዊሉ ሰሊዕሎም ዘሎ ክፍሊት፣ ንህዝቢ ከምዘማርር ጌርዎ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

እቲ በዓል መዚ፣ ብሰንኪ ክኽተሎ ዝጸንሐት ዘይቅርዑይ ምሕደራ፣ ተገልገልቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ወርሓዊ ክፍሊት ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከይከፈሉ ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ብስም “ውህሉል ዕዳ” ተሰሊዕሎም ዘሎ መጠን ገንዘብ ካብ ዓቕሚ እቲ ዝበዝሐ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ምዃኑ ኣስሚሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ተመቃሪሑ ተባሂሉ ተሰሊዑ ዘሎ ውህሉል ዕዳ፣ ንገሊኦም ናይ ሓደ ወርሒ ካብ 300 ክሳብ 500 ናቕፋ ክበጽሖም እንከሎ፣ ንገሊኦም ከኣ ክሳብ 1000 ናቕፋ ናይ ክፍሊት ሰነድ ወይ ቢል ዝተላእከሎ ከምዘለው’ውን እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ንናይ ሓደ ዓመት ዝኣክል ውህሉል ዕዳ፣ ንኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንወርሒ ካብ 300 ክሳብ 1000 ናቕፋ እናኸፈሉ፣ ምስቲ ዘሎ ክብሪ መነባብሮ ተደሚሩ፣ ነቲ ካብ ወርሒ ንወርሒ ከጽንሖ ዝኽእል እቶት ዘይብሉ ህዝቢ ከቢድ ጾር ኮይንዎ ምህላዉ’ውን ኣረዲኦም።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝበዝሐ እዋኑ ስሩዕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ዘይምንባሩ፣ መንግስቲ ሰሊዕዎ ዘሎ ብዝሒ ክፍሊት ውህሉል ዕዳ ነቲ መረረ ብዝያዳ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

ብፍላይ ወነንቲ ትካላት፣ በቲ ብስም “ውህሉል ዕዳ” ብግምት ተሰሊዑ ክፍሊት ብዝያዳ የማርሩ ኣለዉ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0