በዓልቲ ቤት ም/ፕርዚደንት ዚምባብዌ፣ ብፈተነ ቅትለት በዓል ቤታ ተኸሲሳ

Radio Erena: 24 December 2019

ብሜሪ እትፍለጥ በዓልቲ ቤቱ ንምክትል ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ሙባይዋ ችዌንጋ፣ ብፈተነ ቅትለት በዓል ቤታ ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ ተኸሲሳ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ብሰንኪ ሕማም ጎሮሮ እባ ከቢድ ጥዕናቂ ጸገም ንዝርከብ ምክትል ፕረዚደንት ዚምባብዌ ኮንስታንቲኖ ቼዌጋ፣ ኣብ ከባቢ ክሳዱ ዝተገጥመሉ መስተንፈሲ ብምስሓብ’ያ ክትቐትሎ ፈቲና።

እቲ ምክትል ፕረዚደንት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ዝሕከመሉ ዝነበረ እዋን፣ ኩሎም ነርሳትን ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታልን ካብ ክፍሉ ክወጻእ ድሕሪ ምእዛዝ፣ ኣብ ከባቢ ጎረርኡ ንዝተገጥመ መስተንፈሲ ከምዝሰሓበቶ’ዩ መርትዖታት ዝቐርብ ዘሎ።

ንሳ፣ ኣብ ክሳብ በዓል ቤታ ንዝተገጥመ መስተንፈሲ ክትስሕቦ ዝወሰነትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ነታ ጓል 38 ዓመት ወይዘሮ ቀሪቡላ ዘሎ ዘሎ ክሲ ፈተነ ቅትለት፣ ወዲ 63 ዓመት በዓል ቤታን ምክትል ፕረዚደንትን ዚምባቤን ብቤት ፍርዲ ውሳኔ ክወሃቦ’ዩ።

ሙባይዋ ችዌንጋ፣ ካብ ጥቅምቲ 2018 ክሳብ ግንቦት 2019 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ 919 ሽሕ ዶላር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምስግጋር ከዘጠፋፍአት’ውን ብኮሚሽን ጸረ ብልሽውና እታ ኣታ ሃገር ተኸሲሳ ምጽራይ ይካየደላ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ነበር ጀነራል ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ፣ ን37 ዓመታት እብ ስልጣን ንዝነበረ ሙጋበ ብውሕሉል ወትሃደራዊ ዕልዋ ድሕሪ ምእላዩ፣ ኣብ ስደት ንዝነበረ ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኤመርሰን ምናንጋዋ ናብ ሃገሩ ብምምላስ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከምዝሓዞ ይፍለጥ።

ካብ ሰራዊት ተፋንዩ፣ ንባዕሉ ድማ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ተሸይሙ ይርከብ።

ኮንስታንቲኖ ችዌንጋ፣፣ ንዚምባብዌ ናይ መራሕቲ ለውጢ ደኣ’ምበር ዝኾነ ለውጢ ዘየምጽኡ’ዮም ተባሂሉ ብቀዳምነት ካብ ዝሕመዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0