ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 11 June 2018

Ethiopia Egypt

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቀዳም 9 ሰነ ናብ ካይሮ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ ኣብ ጉዳያ እቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያን ብዝምልከት ተዘራሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ኣብ ኡጋናድ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዛዚሙ’ዩ ብቀጥታ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ።

ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ንግብጺ ንምምራሕ ኣብ 2 ሰነ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ናይል ሓድሽ ራኢ ክህልዎ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ፣ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ሰለማውን ዲፕሎማስያውን ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ናይል ንምቕጻሉ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰናይ ድሌት ንምንጽብራቕ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

መንግስታት ኢትዮጵያን ግብጽን ብጉዳይ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ዲጋ፣ ኣብ ምስሕሓብ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0