ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ኡጋንዳ ከምርሕ’ዩ

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ኡጋንዳ ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 07 June 2018

pm abiyቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ብምቕጻል፣ ናብ ኡጋንዳ ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ካምፓላ ከምዝኣቱ ዘረጋገጻ ማዕከናት ዜና ኡጋንዳ፣ ምስ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሚሴቬኒ ኣብ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ናይል ብፍላይ ድማ ኣብ ውዕል ኢነተበ ብምትኳር ክዝቲ ምዃኑ ገሊጸን።

ብዘይካ’ዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መንጎ ሃገሩን ኡጋንዳን ዘሎ ናይ ንግድን ወፍርን ዕድላት ብሰፊሑ ክመያየጥ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ንግድን ወፍርን ዝተዋፈሩ ኣሽሓት ኢትዮጵያውን ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣብቲ ናይ ርክብ ኣጋጣሚ፣ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዕድመ ዝኣነሰን ዝሓደሰን መራሒ ሃገር ኮይኑ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ዝልዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት እታ ሃገር ከበርክተሉ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ፣ ናብ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ምብጻሕ ፈጺሙ ኣሎ።

======================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0