ቀ/ሚ ሶማል፣ ኣብ ክልተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ ናብ ቀጠር በጺሑ

Radio Erena: 20 December 2019

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንመበል ካልኣይ ግዜኡ ናብ ቀጠር ምብጻሕ ኣካይዱ።

በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝረመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቀጠር ዝበጽሐ፣ ኣብቲ ካብ 14ን 15ን ታሕሳስ ዝተኻየደ ዋዕላ ዶሓ ንምስታፍ’ዩ።

ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቀጠር ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ዝምድና ክልትኤን ሃገራት ብምትኳር ምስ ኣሚር እታ ሃገር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ከምዝተዘራረበ ይዝከር።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ዶሓ ድማ፣ ብዛዕባ ምዕባለታት ሰላም ሃገሩ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኽቡ ሰበ ስልጣን መንግስታት ምምይያጡ ተገሊጹ።

ቀጠር ኣብ ሶማ፣ ስትራቴጅያዊ ጽርግያታት ንምህናጽ ዝውዕል 200 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ’ያ።

ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ምድፍፋእ ዝግበረላ ሶማል፣ ኣብ ወሽመጥ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ዘይሻራዊ መርገጺ ሒዛ ከምዘላ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0