ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ዝጀመረቶ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ክትደፍኣሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ጸዊዑ

Radio Erena: 04 June 2019

ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ዝጀመረቶም ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት፣ ክትደፍኣሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ጸዊዑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ ነዚ ዝጸውዐ፣ ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱልራሕማን ቢን ጃሲም ኣል ታኒ፣ ኣብ ዶሓ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ክልቶም ሰበ ስልጣን፣ ብቀዳም 1 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ብዛዕባ ዝጸንሐ ርክባት ክልትኤን ሃገራት ድሕሪ ምዝርራብ፣ ዝምድአን ብዝያዳ ዘዕብያሉ ተኽእሎታት ተመያይጦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ናብ ዶሓ ዘምርሐ፣ መንግስቲ ቀጠር ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተራት ክልትኤን ሶማልን ቀጠርን ነዚ ርክብ ዘካየዱ፣ ኣብ ጽባሕ እቲ፣ ንኢራን ኣብ ከበባ ንምእታው ዝዓለመ፣ ህጹጽ ዋዕላ ስዑዲ ዓረብ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ከተማ ማካ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት እስላም፣ ንኽትሳተፍ ካብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ዕድመ ዝቐረበላ ቀጠር፣ ንኹሉ’ቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝሓለፈ ውሳኔታት ከምዘይትድግፍ ኣፍሊጣ።

ሶማል እትርከበን ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፋ ካልኦት ሃገራት እስላም’ውን፣ ብዛዕባ’ቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳይ ኢራን ዘለዋ ኣጀንዳታት፣ ውልቃዊ መርገጺታተን ኣየነጸራን።

ኣብ ካልእ ዜና፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ጸጥታን ካልእን ጉዳያት ብሓባር ክሰርሓ ዘኽእለን ምይይጥ ኣካይደን።

ብዘይካ’ዚ፣ ብሰንበት 2 ሰነ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላህ ፋርማጆ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ኣብ ክልትዊን ዞባውያን ጉዳያት ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልያን ተኸሲቱ ዘሎ ምስሕሓባት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ምሽምጋል ናይ ተበግሶ ክወስድ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኣብቲ ኣጋጣሚ ምሕጽንታ ምቕራቡ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይጠቕሱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0