ቀጠር፣ ብዛዕባ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ክህብ ንኣምባሳደር ኤርትራ ሓቲታ

ቀጠር፣ ብዛዕባ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ መብርሂ ክህብ ንኣምባሳደር ኤርትራ ሓቲታ

 Radio Erena: 14 May 2018

Ambassador of Eritrea in Qatar

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም መሓመድ፣ ምስ ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ቀጠር ቢን ዓብዱላ ዛይድ ኣልማሕሙድ ተራኺቡ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ዝምድና ክልትኤን ሃገራትን ካልእ ጉዳያትን ብዝምልከት ተዘራሪቡ።

ብመሰረት እቲ ድሒሩ ዝበጽሓና ዜና፣ ቤት ምኽሪ ኣፈኛ ቀጠር ንኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቀጠር ብ18 ሚያዝያ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምዕዳም ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝሃቦ መግለጺ መብርሂ ክህበሉ ከምዝሓተተ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ቀጠር ምስ ሱዳን ብምትሕብባር፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ እናሰልጠነት ኣንጻር ኤርትራ ትሰርሕ ከምዘላን’ዩ ዝወቕስ።

ብዘይካ’ዚ ቀጠር ኣብቲ ንሱዳንን ኤርትራን ዘዳውብ ከባቢታት ሰለስተ ነፈርቲ ኵናት ከምዘዋፈረት መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ይሕብር።

ሱዳንን ቀጠርን ኣብቲ እዋን’ቲ ንመግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ክነጽግኦ እንከለዋ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቀጠር ከኣ ነቲ ጉዳይ ተወሳኺ መብርሂ ክህበሉ’ዩ ዝሓለፈ ቅንያት ብኣፈኛ ቤት ምኽሪ ቀጠር ተጸዊዑ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0