ቀዳማይ ዙርያ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ኣብ ታዕሊም ዝጸንሑ ሶማላውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

Radio Erena: 22 December 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣብ ታዕሊም ጸኒሖም ዝተባህሉ ኣስታት 5 ሽሕ ሶማላውያን፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም።

ቀዳማይ ዙርያ ናይቶም ተመለስቲ ወትሃደራት፣ ብ21 ታሕሳስ ናብ ሞቛድሾ ከምዝኣተዉ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፣ ዓብደልቃድር መሓመድኑር ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ሶማል ዝተመልሱ ወትሃደራት ኣይተነጸረን።

ካብ 2019 ኣትሒዞም በብእዋኑ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወትሃደራት ሶማል ክሳብ ጥሪ 2023 ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖም ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብዚ ቅንያት ምስ ዳያስፖራ ሶማል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ንሱ፣ ምምላስ እቶም ወትሃደራት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ታሕሳስ ከምዝጅምር ብምጥቃስ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ድማ ከምዝዛዘም ኣስሚርሉ።

ምምላስ እዞም ወትሃደራት፣ ካብቲ ኣብ ጸጥታን ርግኣትን እታ ሃገር ዝህልዎም ኣበርክቶ ንላዕሊ፣ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ምፍጣጥ ወለዲን መንግስቲን ክፈትሕን፣ ካብ ህዝቢ ሶማልን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ተኸዊሉ ንዝጸንሐ ሓያሎ ምስጢራት ከቃልዕ ከምዝኽእልን ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቕሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0