ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብጀነራል ኣልቡርሃን ንዝተመዘዙ 18 ኣመሓደርቲ ዞባታት ሱዳን ሰጕጉ

Radio Erena: 13 December 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ዓብደላ ሓምዶክ፣ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ንዝተመዘዙ ኣመሓደርቲ ዞባታት እታ ሃገር ሰጕጉ።

ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ቡታንያ ዲናር፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ብዝተዋህባ ትእዛዝ መሰረት፣ ካብ 25 ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ስልጣን ንዝጸንሑ 18 ኣመሓደቲ ዞባታት ካብ መዝነቶም ከምዝኣለየቶም’ዩ ተሓቢሩ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማት ሚኒስተር ብወገኑ፣ ብ12 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ነቶም ካብ ስልጣን ዝተኣልዩ ብግዝያውነት ዝትክኡ ሓደሽቲ ኣመሓደርቲ ምሻሙ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ብ25 ጥቅምቲ፣ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ናይ በርጌስ ክፋል መሰጋገሪ መንግስቲ ብምእላይ፣ ባዕሉ ዝመረጾም ኣመሓደርቲ’ዩ ኣብ ስልጣን ኣቐሚጡ።

ብህዝባዊ ተቓውሞን ኣህጉራዊ ጻቕጢን፣ ንዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣን ክመልሶ ዝተቐሰበ ጀነራል ኣልቡርሃን፣ ክልቲኦም ወገናት ብ21 ሕዳር ኣብ ዝኸተምዎ ስምምዕ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ዕድል ተዋሂብዎ።

ይኹን’ምበር ክሳብ’ቲ ኣብ 2023 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ሱዳን፣ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ካቢነ ሚኒስተራት፣ ኣብ ምሕደራን ሞያዊ ክእለትን ደኣ’ምበር ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ኣይክህልዎን’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0