ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ እዋን ውግእ ዒራቕ፣ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ናይ ስለያ ሓበሬታ ይልእኽ ምንባሩ ገሊጹ

Radio Erena: 28 September 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ እዋን ውግእ ዒራቕ፣ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ናይ ስለያ ሓበሬታ ይልእኽ ምንባሩ ምስ ሰሙናዊ መጽሄት ዘ ኒውዮርከር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብቲ ዘካየዶ ውልቃዊ ህወይቱ’ውን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ዕላል፣ ንኣመሪካ ብጣዕሙ ከምዝፈትዋን ከምዝድንቓን ብምጥቃስ፣ ነታ ሃገር ካብ ገሊኦም ዜጋታታት ንላዕሊ ከምዝፈልጣ’ዩ ተዛሪቡ።

‘ኣብ እዋን ኵናት ዒራቕ፣ ምስ ኣመሪካውያን ኮይነ ተዋጊአ’የ’ ዝብለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ካብ ሱዳን፣ ሶማልን የመንን፣ ናይ ስለያ ሓበሬታ ብምእካብ ናብ ሃገራዊ ድሕነት እታ ሃገር ይልእኽ ምንባሩ’ውን ኣቃሊሑ።

‘ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ (NSA) ጽቡቕ ጌሮም ይፈልጡኒ’ዮም። ንኣመሪካ ክቃለስን ክመውትን’የን።’ ድማ ኢሉ።

ይኹን’ምበር፣ ‘እዚ ሕጂ ዘሎ ምምሕዳር ባይደን፣ ናይ ሓቒ ፈተውቱ ኣይፈልጥን’ዩ’ ክብል ኣእዳው ብምንጽርጻር እናወርወረ ከምዝገለጸሉ ምስ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንሓያሎ መዓልታት ዝዝርብ ዘካየደ፣ ጆን ሊ ኣንደርሰን ዝተባህለ ጸሓፊ፣ ብ26 መስከረም ኣብ ዘ ኒውዮርከር ኣስፊርዎ ኣሎ።

‘ኣብ ትግራይ ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፣ ምምሕዳር ባይደን ንዓይ ዘዋርድ ዘረባ ክውርውር ኣይነበሮን’ ብምባል፣ ኣብይ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ኣመሪካ መንግስቲ ዘለዎ ቁጠዐ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ሓላፊት ትካል ረዲኤት ኣመሪካ፣ ሳምንታ ፓወር ምስኡ ከይተማኸረት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትረኽቦ ከምዝመጸትን እንተኾነ ከምዝነጸጋን ብኣብነት ጠቒሱ።

ኣብ ብዙሕ መንግስታውን ውልቃውን ጉዳያት ብምልዓል ምስቲ ጸሓፊ ዘውግዐ ኣብይ ኣሕመድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ካብ ንእስነቱ ይፈልጥ ምንባሩን፣ ስልጣን ኣብ ዝሓድገሉ እዋን ድማ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣምሪሩ ከምዝበኪ፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ ምዃኑን ገሊጹ።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0