ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

Radio Erena: 09 March 2020

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቅትለይ ከምዝተኻየደሉ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢራ።

እቲ ፈተነ ቅትለት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ፣ ሎሚ 9 መጋቢት ናብ ቤት ጽሕፈቱ እናምርሐ እንከሎ፣ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ ከምዝተኻየደ’ዩ ተሓቢሩ።

ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ዘሰነያ ቓፍላይ፣ ሓንቲ መኪና ከቢድ ዕንወት ክወርዳ እንከሎ ካልኦት ክልተ’ውን መጠናዊ ዕንወት ወሪዱወን።

በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ዝኾነ ጉድኣት ከምዘይበጽሖ ብመንገዲ ትዊተር ዝሓበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፣ እቲ ፈተነ ነቲ ኣብ ሱዳን ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ከይዲ ከምዘይዕንቅፎ ኣረጋጊጹ።

ነቲ ፈተነ ቅትለት ዘካየዱ ኣካላት ዛጊት ክፍለጡ እኳ እንተዘይክኣሉ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ምጽራይ ይገብረሉ ከምዘሎ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተዋህበ መግለጺ ሓቢሩ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0