ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዘንጸላለወ ሓደጋ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሕጂ’ውን ኣይተኣልየን

Radio Erena: 10 December 2019

ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘንጸላለወ ሓደጋ ዕስለ ኣንበጣ፣ ጠቕሊሉ ከምዘይተኣልየ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣጠንቁቑ።

እቲ ውድብ ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፣ ነቲ ካብ ዞባ ናብ ዞባን ካብ ሃገር ናብ ሃገርን እናሳገመ ዝመጽእ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ምድረ በዳ ንምምካት፣ ሓያል ጻዕርታት ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ዝተጸፍዩ እንቋቑሖታት ይፈርዩ ምህላዎ ኣስሚርሉ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ዞባታት ዓለምና፣ ዶብ ህንድን ፓኪስታንን፣ ወሽመጥ ፋርስ ወይ ባሕሪ ዓረብን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን’ዩ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተራእየ ኣንበጣ ምድረ በዳ፣ ናብ ኤርትራ ብምስጋር ከምዝተፋረየ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፣ ሓደ ጉጅለ ካብቲ ብወገን ኤርትራ ዝኣተወ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ሰጊሩ ኣሎ።

ብኻልእ ሸነኻት ኢትዮጵያ ዝፈልፈለ ኣንበጣ፣ ናብ ምብራቕ ሸኽ፣ ክልላት ኦጋዴ፣ ሶማልን ስለዝወፈረ፣ ዶብ ሰጊሩ ናብ ሶማል ክኣቱ ምዃኑ ውድብ መግብን ሕርሻን ግምታቱ ሂቡ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0