ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብርቱዕ ዝናብ ብዘኸተሎ ውሕጅ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሉ

Radio Erena: Friday, 01 December 2023

ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኤል ኒኖ ዝተኣሳሰር ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን የጋጥሞ ከምዘሎ ኦቻ ገሊጹ።

ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን በዚ ሕጂ ዘሎ ዝናብ ኤል ኒኖን ተርእዮታት ለውጥታት ኩነታት ኣየርን ብዝኸፍአ ከም ዝተሃስያ ICPAC ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ።

ጠቕላላ በቲ ውሕጅ ዝተሃስየ ኣብ ሶማልያ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ኬንያ 950 ሽሕ ይበጽሕ።

ኣብ ሶማልያን ኬንያን ህይወት ሰብን እንስሳን ክጠፍእ እንከሎ ምምዝባል ውን ኣስዒቡሎ።

ኣብ ኬንያ 120፣ ኣብ ሶማልያ ኣስታት 100፣ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ 46 ሰባት ብሰንኪ ከቢድ ዝናብን

ኩነታት ኣየርን ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ብሰንኪ ዝናብ ዘኸተሎ ዕልቕልቕ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ተመዛቢሎም።

ንልዕሊ1.5 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ከምዝጸለወ ድማ ተገሊጹ።

እቲ ዕልቕልቕ ኣብ ዘራእቲ፣ ጥሪት፣ኣገደስቲ ትሕተቅርጺ፣ ገዛውቲ፣ ድኳናት፣ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ሕርሻ መሬትን ሰፊሕ ጉድኣት ኣውሪዱ።

ካብ 24-26 ሕዳር ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ራሚዝ ኣላክባሮቭን ሓላፊ ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋታት ኢትዮጵያን ምስ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብምትሕብባር ብውሕጅ ዝተሃስዩ ከባቢታት ብምኻድ ነቲ ኩነታት ብ ኣካል ተዓዚቦም።

ኣብ ኤርትራ ውን ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ወቕቱ ዘይሓለወ ዝናብ ኣብ ዘራእቲ ዘኸተሎ ጉድኣት፣ ናህሪ ዕዳጋታት እኽሊ ከምዘኸተለ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0