ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልይዎ

Radio Erena: 11 February 2022

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 13 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ደርቂ ተቓሊዑ ከምዘሎ ውድብ መግቢ ዓለም ኣመልኪቱ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ትካል፣ ብ8 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊን ደቡባዊ ምብራቕን ኢትዮጵያ፣ ሰሜንዊን ደቡባዊ ምብራቕን ኬንያ ደቡባዊ ማእከላይ ሶማልን እቲ ቀንዲ በዚ ሓደጋ ደርቂ ተጠቒዑ ዘሎ ከባቢታት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣውራ ጠንቂ ናይቲ ደርቂ፣ ኣብቲ ከባቢታት ንሰለስተ ወቕቲ ብተኸታታሊ ዘስዓቦ ዋሕዲ ዝናብ ምዃኑ ‘ዩ ተጠቒሱ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ዚ ብሰንኪ ዝናብ ዝወሓዶ ወቕቲ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፈርን’ውን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ከበባታትን ልዕሊ 7 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ክሕብር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሰብ ብዘምጽኦን ባህርያውን ኩነታት፣ ሚልዮናት ህዝብ ንሓደጋ ጥሜት ተቓሊዑ እናሃለወ፣ መንግስታት ኣብቲ ዞባ ናይ ዝርከባ ሃገራት፣ ብኣንጻሩ ንኵናት ቢልዮናት ዶላራት የፍስሱ ምህላዎም ይፍለጥ።

እታ ኣውራ በዚ ናይ ጥሜት ሓደጋ ተጠቒቓ ዘላ ኢትዮጵያ ንኣብነት፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ ታሪኻ ዝበዝሐ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ ንምክልኻል ጥራይ 122 ቢልዮን ብር ወይ ኣስታት 2.5 ቢልዮን ዶላር ባጀት ኣጽዲቓ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፖለቲካዊ፣ ወትሃደራዊ፣ ቁጠባዊ ይኹን ሰብኣዊ ቅልውላው ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ መድረኽ፣ ንድሕሪት ተመሊሱ ከምዘሎ ‘ዮም ተንተንቲ ዝጠቕሱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0