‘ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ኣስታት 140 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ የብሉን።’

Radio Erena: 25 October 2022

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ዝነበር ኣስታት 140 ሚልዮን ህዝቢ፣ እቲ ኣስታት ፍርቂ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ዝተሓረሞ ምዃኑ፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ጸዓት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ኣብ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ኡጋንዳ፣ ከተማ ካምፓላ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10ዓመታት፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብ3% ጥራይ ከምዝወሰኸ ኣስሚርሉ።

ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ክሳብ 2030 ኣብ ዘሎ ግዜ ዘየቛርጽ ጸዓት ንምርካብ 25 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ኣብቲ ዋዕላ ተገምጊሙ።

እቲ 22 ቢልዮን ካብኡ፣ መርበባት ኤሌክትሪክ ንምዝርጋሕ ዝውዕል’ዩ።

ኣብዚ ዞባ፣ ንመግቢ መብሰሊ ዘገልግል ጸዓት፣ ዓመታዊ ኣስታት 3 ቢልዮን ጥራይ ‘ዩ ዘድሊ።

እንተኾነ፣ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ካብ ንጸዓትን ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክን ንላዕሊ ከም ምዕባይ ወትሃደራዊ ሓይሊን ምድልዳል ጸጥታን ንዝመኣሰለ ጽላታት ዝበዝሐ ባጀት ከምዝስልዓ ይፍለጥ።

ካብ ተጠቃምነት ጸዓት፣ ቴክኖሎጂን ዘመናዊ ምዕባለታትን ድሕሪት ተሪፈን ዘለዋ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ዓመታዊ 10ታት ቢልዮናት ዶላር ንኵናትን ብልሽውናን ከምዘባኽና ጸብጻባት ትራንስፓረስኒ ኢንተርናሽናል የመልክት።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0