“ሽግር ኤርትራ፣ ፍታሕ ብኤርትራውያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፣ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝሳተፍዎ ዋዕላ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ቦሎኛ ክካየድ’ዩ

ኩሎም ደሞክርስያዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ዝፈቐደ ዋዕላ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ቦሎኛ ኢጣልያ ክካየድ’ዩ።

 

ሽግር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ሲቪካውያን ማሕበራት ውልቀሰባትን ክሳተፍዎ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ዋዕላ፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያን ካልእ ኣጋጣሚታትን ዝተኻየደ ዋዕላታት ፍሉይ ምዃኑ’ዩ ዝዝረበሉ ዘሎ።

እዚ ብዋዕላ ቦላኛ ዝጽዋዕ ዘሎ ምትእኽካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ፍሉይ ምዃኑ ዝዝረበሉ ዘሎ ብዘይ ምትእትታው ናይ ግዳም ሓይልታት ብኤርራውያን ተወዲቡ ብኤርትራውያን ይካየድ ብምህላዉ’ዩ።

እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ደብረዘይቲ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዋዕላ ኤርራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወደበን ናይ ኢትዮጵያ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወን’ዩ ኔሩ ክብሉ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝነቕፍዎ።

እዚ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 1 መስከረም ኣብ ቦሎኛ ኢጣልያ ዝካየድ ዋዕላ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስውዊ ለውጢ ግና፣ ‘ሽፍር ኤርትራ ፍታሕ ብኤርትራውያን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ምትእንጋዱ’ውን ብቀንዱ ነቲ ንኤርራዉ ናብ ውድቀት ኣምርሒዋ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት፣ ናይ ግዳም ምትእትታው ዘይብሉ ብኤርትራውያን ዝመጽእ ለውጢ ጥራይ’ዩ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ካብ ዝብል መትከልን እምነትን ዝነቐለ ምዃኑ’ዮም ወደብቱ ዝጠቕሱ።

ኣብዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ንኹለን ደሞክርሳያውይን ሓይልታት ኤርትራ ከራኽብ ብዙሕ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ዋዕላ ቦሎኛ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ካተፍዎ ትጽቢት ኣሎ።

እዚ ዋዕላ’ዚ ካብቲ ቅድሚ ዝነበረ ዋዕላታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ፍሉ ዝገብሮ ካልእ ነጥቢ ድማ ብኤርትራውያን መንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ዝተበጋገሰን ዝተወደበን ብምዃኑ’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0