ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር፣ ኣብ ዶባታ ግዝያዊ ነቑጣታት ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ

ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር፣ ኣብ ዶባታ ግዝያዊ ነቑጣታት ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 13 November 2015

sweborde

ሽወደን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ዶባታ ናይ ሓለዋ ነቑጣታት ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ሽወደን ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወስድ ዘሎ ብግሪኽን ኢጣልያን ዝኣተዉ ዜጋታት ሶርያ፣ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ብብዝሒ ናብታ ሃገር ይውሕዙ ስለዘለው’ዩ።

እቲ ምስ ደንማርክ ኣብ ዘዳውባ ከባቢታት፣ ብፍላይ ኣብ መጓዓዝ ባቡርን ኣውቶቡሳን ዝግበር ናይ ሓለዋ ነቑጣ ግዝያዊ ምዃኑ’ውን እታ ሃገር ገሊጻ።

 

ሃገራት ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝዓብየ ኣጀንድአን ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኮይኑ፣ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብዋሕዚ ስደት ኣብ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ብቀጻሊ ካብ ዝጥቐሳ ሃገራት ኮይና ኣላ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0