ሽወደን ኣብ ታሪኻ ናይ መጀምርያ ወርቂ ማድልያ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ሽሕ ሜትሮ ብኤርትራዊት ኣትለት ምዕራፍ ባህታ

ሽወደን ኣብ ታሪኻ ናይ መጀምርያ ወርቂ ማድልያ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 5 ሽሕ ሜትሮ ብኤርትራዊት ኣትለት ምዕራፍ ባህታ

Radio Erena: 18 August, 2014

Miraf

ኣብ ስዊዘርላንድ ዙሪክ ኣብ ዝእንገድ ዘሎ ውድድር ሻምፕዮና ኣትለቲክስ ኤውሮጳ 2014 ፣ ኤርትራዊት ሽወደናዊት ምዕራፍ ባህታ፣ ብቀዳም 16 ነሓሰ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 5000 ሜትሮ ቅድድም ጉያ እግሪ፣ ቀዳማይቲ ኮይና ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊማ።

ኣትለት ምዕራፍ፣ ድሕሪ’ቲ ውድድር ምስ መደበር ተሌቪዥን ፍራንስ 2 ኣብ ዘካየደቶ ሓጺር ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ዝረኸበቶ ዓወት ነታ ዜግነት ዝሃበታ ሽወደንን፣ ንመበቆል ዓዳ ኤርትራን ሓበን ምዃኑ ገሊጻ።

 

ኣብ ኤርትራ ኣብ ናይ ጁንዮር ውድድር ጉያ እግሪ ትሳተፍ ዝነበረት ኣትለት ምዕራፍ፣ ኣብ 2009 ንቕድድም ናብ ስጳኛ ድሕሪ ምምጻኣ’ያ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ሓቲታ።

ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተፈላለያ ክለባት ቅድድም ጉያ እግሪ ከተካይድ ዝጸንሐት ኣትለት ምዕራፍ ባህታ፣ ኣብ 2013 ናይ ሽወደን ዜግነት ድሕሪ ምሓዛ፣ ድማ እዚ ኣብ ዙርክ ዝእንገደ ዘሎ ሻምፕዮና ኣትለቲክስ ኤውሮጳ ንምስታፍ ዝበቕዐት።

እዚ እትለት ምዕራፍ ባህታ ዝረኸበቶ ዓወት ድማ፣ ነታ ኣብዚ ናይ ዙርክ ኣትለቲክስ ብብዝሒ ማዳልያታት ኣብ ድሕሪት ተሰርዓ እትርከብ ሽወደን ኣብ ታሪኻ ናይ መጀመርያ ናይ ወርቂ ማዳልያ’ዩ።

ሰንበት 17 ነሓሰ ኣብ ዝተዛዘመ ሻምፕዮና ኣትለቲክስ ኤውሮጳ 2014፣ ብሪጣንያ ብ12 ወርቂ ማዳልያ ቀዳመይቲ፣ ፈረንሳ ብ 9 ወርቂ ማዳልያ ካልኣይቲ ጀርመን ድማ ብ 4 ወርቂ ማዳልያ ሳልሰይቲ ኮይነን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0