ሽወደን፣ ኣታኽልቲ ዝተባህለ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ፣ ንጓል 6 ዓመት ቆልዓ ካብ ሓደጋ ባቡር ኣድሒኑ

Radio Erena: 31 March 2021

ኣብ ሽወደን፣ ደቡባዊ ስቶኮልም፣ ኣታኽልቲ ዝተባህለ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ፣ ንጓል 6 ዓመት ቆልዓ ካብ ሓደጋ ባቡር ከምዘድሓና ተገሊጹ።

ኣፍቶንብላደት ዝተባህለ፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን፣ ብ28 መጋቢት ኣብ ዘስፈሮ ትሕዝቶ፣ ኣታኽልቲ ምስ ዓርኵን፣ 6 ዓመት ዝዕድሚኣ ሓብቲ ዓርኩን፣ ብሓሙስ 11 መጋቢት፣ ከባቢ ሰዓት 4:30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ፣ ካብ ትምህርቲ ኣብ ዝመለስሉ ዝነበሩ ዕለት፣ መንገዲ ባቡር ንምስጋር ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፣ እታ ቆልዓ ኣብ ውርጪ ተሸኺላ ምንቕስቓስ’ያ ስኢና።

ኣታኽልቲ፣ ነቲ ኩነታት ድሕሪ ምዕዛብ፣ ባቡር እትሓልፈሉ ግዜ ትሕቲ ሓደ ደቒቕ ስለዝተረፈ፣ ነታ ቆልዓ ንምድሓን ባዕሉ’ዩ ተበግሶ ክወስድ መሪጹ።

ነቲ ንሱ ቀዲሙ ዝኣተዎ ነታ ቆልዓ ናይ ምድሓን ተበግሶ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት’ውን ክጽንበርዎ እኳ እንተኸኣሉ፣ ኣታኽልቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ግና ተባዕ ምንባሩ’ዩ ተመስኪሩ።

እዚ ወዲ 12 ዓመት ቆልዓ፣ ንጓል 6 ዓመት ቆልዓ ንኸድሕን ዝወሰዶ ተባዕ ተበግሶ፣ ህይወት ኣድሒኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከተማ ስቶኮልም ከጋጥማ ይኽእል ካብ ዝነበረ ምጭንናቕ ናይ ባቡር መጓዓዝያ’ውን ኣቓሊሉ’ዩ ክብል ST ዝተባህለ ወሃቢ ኣገልልግሎት መጓዓዝያ ባቡር ገሊጹ።

ስእሊ፣- ካብ ኣፍቶንብላደት

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0