ሽቱትጋርት፣ ንቀዳም 23 መስከረም ተወዲቡ ዝነበረ ምትእኽኻር ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ብምምሕዳር ከተማ ተሰሪዙ

Radio Erena: Friday, 22 September 2023

ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ሽቱትጋርት፣ ንቀዳም 23 መስከረም ክካየድ ተመዲቡ ዝንበረ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብምምሕዳር እታ ከተማ ተሰሪዙ።

እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ኣዳራሽ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ምትእኽካብ ዝተሰረዘሉ ምኽንያት፣ ንድሕነት ህዝብን ምኽባር ስነ ስርዓትን ምዃኑ ከንቲባ ከተማ ሽቱትጋርት፣ ዶ/ር ክለመንስ መየር ሓቢሩ።

እቲ ከንቲባ ብተወሳኺ፣ ነዚ ጥሒሶም፣ ናዕብን ዕግርግርን ንዝገበሩ ቅልጡፍን ተሪርን ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣጠንቂቑ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፣ ኣብ 16 መስከረም፣ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ባእስን ዕግርግርን ደገፍቲ ህግደፍን ብብርጌድ ንሓሙድ ዝተወደቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢን ፖሊስ ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ከምዝቖሉ ኣይርሳዕን።

=========================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0