ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዳዒሽ ኣብ ፓሪስ ኣስታት 130 ሰባት ቀቲሉ

ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዳዒሽ ኣብ ፓሪስ ኣስታት 130 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 14 November 2015

Paris attack

ናይቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ፓሪስ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ ጉጅለ ዳዕሽ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወሰደሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ግን ከኣ ብዝተወሃሃደ ኣገባብ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ህይወት 129 ሰባት ክወስድ እንከሉ ብውሑዱ 350 ሰባት ከኣ ቆሲሎም ከምዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ሆላንድ ሃገሩ ኣብ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከምዝኣተወት ድሕሪ ምእዋጅ፣ ሰለስተ ናይ ሓዘን መዓልታት’ውን ጸዊዑ’ሎ።

 

እቶም ነታጒ ዓጢቖም ነፍሰ ቅትለት ክገብሩ ዝመደቡ፣ ኣብ ስታድዩም ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ምሕዝነታዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ፈረንሳን ጀርመንን፣ ፕረዚደንት ሆላንድን ካልኦት ሰበስልጣንን ይዕዘቡ ብምንባሮም ዝተኸተለ ከቢድ ጸጥታ ክሓልፍዎ ብዘይምኽኣሎም፣ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝነበረ ቤት መግብታት ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱዎ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ብባታክላን ዝፍለጥ ጥንታዊ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ገና ዝተጻፈፈ መጽናዕቲ’ኳ እንተዘይወጸ፣ ብውሑዱ 100 ሰባት ተቐቲሎም። ኣብቲ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዝካየደሉ ዝነበረ ኣዳራሽ፣ ኣርባዕተ ሽበራውያን ብኣልማማ ሰባት ክቐትሉ ድሕሪ ምጅማሮም፣ ተፈንጀርቲ ኣጽዋር’ውን ከምዝተጠቕሙ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይገልጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብውሑዱ ሰለስተ ሽበራውያን ብመኪና እንዳዞሩ ኣብ ልዕሊ ኣብ ባራት ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ኣድራጋ ብምትኳስ፣ ልዕሊ 14 ሰባት ቀቲሎም።

ፕረዚደንታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲ ነዚ ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኹናን፣ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ፈረንሳ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ነቲ መጥቃዕቲ ካብ ዘካየዱ 7 ሽበራውያን ኣብ እዋን’ቲ ፍጻሜ ከምዝተቐትሉ’ኳ እንተተሓበረ፣ ተሓባበርቶም ንምቕራም እቲ መስርሕ ይቕጽል ስለዘሎ፣ ዶባት ፈረንሳ ተዓጽዩ ከምዘሎ ሰበስልጣን ጸጥታ ገሊጾም።

ጉጅለ ዳዒሽ፣ ፈረንሳ ኣብ ሶርያ ምትእትታው እንተቐጺላ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከካይደላ ምዃኑ ተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ምስዳዱ ይዝከር።

እንተኾነ ፕረዚደንት ሆላንድ ሒደት ደቓይቕ ድሕሪ’ቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ፍጻሜ ሽበራዊ ጥራይ ዘይኮነ ኲናት ኣንጻር ፈረንሳ ምእዋጅ ስለዝኾነ፣ ግብረ መልሱ ከቢድ ከምዝኸውን ሓቢሩ።

ነዚ ብውሑዱ ኣብ ሽዱሽተ ዝተፈላለየ ቦታታት ከተማ ፓሪስ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተኸቲለን፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ኣዛዪደን ኣለዋ።

መንግስቲ ፈረንሳ ብወገኑ ቤት ትምህርታትን፣ ቤተ መዘክራትን ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ቦታታት ክዕጾ ኣዚዙ’ሎ።

ሓይልታት ጸጥታ በልጅዩም’ውን ምስ’ዚ ናይ ፓሪስ መጥቃዕቲ ብዝተሓሓዘ ሓያሎ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0