ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ብዓብላልነት ኤርትራ ተዛዚሙ

Radio Erena: 27 March 2022

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሻርም ኣልሼኽ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፣ ብዓብላልነት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተፈጺሙ።

እዚ ብረቡዕ ዝጀመረ ውድድር፡ ሎሚ ሰንበት 27 መጋቢት ብውድድር ጽርግያ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን ደቂተባዕትዮ ተቐዳደምቲ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ምስ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም ባይክ አይድ ዝቐዳደም፣ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዲሙ ሕንጻጽ ብምርጋጽ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ።

ኣብ’ዚ 150.6 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ውድድር ዝተዓወተ ሄኖክ፡ ወዲ 22 ዓመት ብምዃኑ ብደረጃ ሲንየርን ትሕቲ 23 ዓመትን 2 ወርቂ ሜዳልያታት ብምንጥልጣል፣ ድርብ ዓወት ተጓናጺፉ።

ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ግና ኣቐዲመን ኣብ ዝገበርኦ ናይ 85.8 ኪሎ ሜትር ውድድር፡ ኣብ ደረጃታት ሽልማት ክኣትዋ ኣይከኣላን።

ኤርትራ፣ ኣብ’ዚ ን5 መዓልታት ዝቐጸለ ቅድድም፡ ብሓፈሻ 8 ወርቂ፡ 6 ብሩር፡ 2 ነሓስ ፣ ብድምር 16 ሜዳልያታት ደሊባ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቤልጁዩማዊት ክለብ Intermarché-Wanty-Gobert፣ ቢንያም ግርማይ፣ ሎሚ 27 መጋቢት፣ ኣብ ቤልጁዩም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዎልርልድ ቱር ቅድድም፣ ቀዳማት ብምዕዋት ታሪኽ ሰሪሑ።

ወዲ 21 ዓመት ቢንያም ግርማይ፣ ኣብ ዎርልድ ቱር ቀዳማይ ብምውጻእ ዝተዓወተ ናይ መጀመርያ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ብምዃን’ዩ ስሙን ስም ሃገሩን ኣብ ናይ ታሪኽ መዝገብ ኣስፊሩ ዘሎ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0