ሶማል፣ ክሳብ 17 ግንቦት ሓድሽ መንግስቲ ክቐውም መወልቲ ኣዘኻኺረን

Radio Erena: 29 April 2022

ድሕሪ’ቲ ኣብ 31 መጋቢት ዝተኻየደ ምርጫ ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ዛጊት ፕረዚደንት ንምምራጽ ኣይተኻእለን።

ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ወሃቢ ቃል ፓርላማ ንምምራጽ፣ ብረቡዕ 27 ሚያዝያ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆን መቐናቕንቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ሑሰን ሮብለን ሩስን ክትዕን ጭቅጭቅን ምንባሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ደገፍቲ’ቲ ፕረዚደንት ዝኮኑ ኣባላት ፖሊስ፣ ንሓይሎ ኣባላት ፓርላማ፣ ‘ምርጫ ተሰጋጊሩ’ዩ’ ብምባል ናብቲ ምርጫ ዝካየደሉ ሃንገር መዓርፎ ነፈርቲ ከይኣትዉ ከምዝኸልከሉ ዝሓበረ ኣልጀዚራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ብወገኑ ኣባላት ፓርላማ ብዘይዕንቅፋት መስርሕ ምርጫ ከካይዱ፣ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ጸጥታ እቲ ቦታ ከኽብረሉ ከምዝሓተተ ጠቒሱ።

ካብ ዝመረጹ ኣስታት ሓደ ወርሒ ጥራይ ጌሮም ዘለዉ ኣባላት ፓርላማ ሶማል፣ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ምርጫ ዝካየደሉ ሃንገር ክጨቓጨቑ ክደፋፍኡን ከምዝርኣዩ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ‘ታ ሃገር ኣረጋጊጸን።

እቲ ፓርላማ፣ ድሕሪ’ቲ ኩሉ ምስሕሓብ፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ውድባት ንዝኾነ፣ ሸኽ ዓደን መሓመድ ኑር፣ ወሃቢ ቃሉ ክኸውን መሪጽዎ።

ሸኽ ዓደን፣ ነቲ ጽፍሒ ካብ ዝተሓጽዩ መወዳድርቱ፣ ናይ 98 ናይ ድምጺ ብልጫ ብምርካብ’ዩ ተዓዊቱ።

ሕጂ’ውን ኣብ ምትህልላኽ ዝርከቡ ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለን፣ ሸኽ ዓደን ኣፈኛ ፓርላማ ኮይኑ ምምራጹ፣ ብመንገዲ ትዊተር ‘ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ’ ኣመሓላሊፎም።

ድሕሪ ምምርጻ እቲ ኣፈኛ ዝተርፍ መስርሕ፣ ምምራጽ ፕረዚደንትን ምቛም ሓድሽ መንግስቲን ሶማልን’ዩ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ዝርከቦም መወልቲን መሻርኽትን ሶማል፣ መንግስቲ ክሳብ 17 ግንቦት ክቐውም የተሓሳስቡ።

ሓድሽ መንግስቲ ሶማል ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ክቐውም እንተዘይክኢሉ፣ ፊናንስያዊ ሓገዝን ምወላን ደው ከብሉ ከምዝኽእሉ’ውን የጠንቅቑ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0