ሶማል፣ ኣብ 5 ኣዋርሕ ሰለስተ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ወዲቐን

Radio Erena: 21 September 2020

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛዱሾ ፣ ናይ ጽዕነት ነፋሪት ወዲቓ ተሓምሺሻ።

እታ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝጸንዓነት ዝተሓበረተ ነፋሪት፣ ብ19 መስከረም፣ ካብ መዓርፎ ነፈርሪ ሞቛዱሾ ተበጊሳ ናብ ከተማ በለትወይን እናበረረት፣ ብዘጋጠማ ቴኪኒካዊ ጸገም፣ ናብ ዝተበሰገትሉ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሊሳ እናዓለበት’ያ ምስ መንደቕ ተራጺማ።

በቲ ሓደጋ፣ 3 ካብቶም 4 ኣባላት እታ ነፋሪት፣ መጉዳእቲ ከምዝበጽሖም ሚኒስተር መጓዓዝያ ሶማል፣ መሓመድ ዓብዲላሂ ሳላድ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት፣ ዋንነታ ኣብ ኬንያ ናይ ዝመደበሩ ትካል መጓዓዝያ ነፈርቲ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ሶማል፣ ኣብዚ 5 ኣዋርሕ፣ ሰለስተ ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ተሓምሺሸን ኣለዋ።

ሓንቲ ካብኣተን፣ ኢትዮጵያ፣ ብጌጋ ሃሪማ ዘውደቐታ ምዃና ይዝከር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0