ሶማል፣ ኣብ 10 ጥቅምቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ክትመርጽ’ያ

Radio Erena: 01 July 2021

ሶማል፣ ኣብ 10 ጥቅምቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ክትመርጽ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር መሓመድ ሑሰን ሮብለ ኣፍሊጡ።

ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራትን ቀቢላታትን ሶማል ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ወኪላቶም ብምልኣኽ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ከምዝምረጽ’ዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብረቡዕ 30 ሰነ ገሊጹ።

ኣብ 8 ለካቲት ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ምስ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ኣይተሰማማዕናን ብምባል፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ክጸንሕ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ካብ ህዝብን ዕጡቓት ቀቢላታትን ተቓውሞ ምስ ገጠሞ መደቡ ክቕይር ከምዝተገደደ ኣይርሳዕን።

ኣስታት 10 ሽሕ ዝግመቱ ወትሃደራት ሶማል፣ ብዘይኣፍልጦ ኣባላት ባይቶን ኣካላት መንግስትን ብምስጢር ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝልኣኸ ዝኽሰስ ዘሎ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብዛዕባ መጻኢ ፖለቲካዊ መደባት ይኹን ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳያት ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበን።

ንዝበዝሐ ጉዳያት ሶማል፣ ብዝምልከት መግለጺ ዝህብ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ፣ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ምስ ተላእኩ ደሃዮም ጠፊኡ ዝብሃል ዘሎ ወትሃደራት ሶማል እተጻሪ፣ ሚኒስተራትን ወትሃደራውያን ኣዘዝትን ዘለዋ ኮሚተ ኣቝሙ ይርከብ።

ሶማል፣ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓድሽ ፕረዚደንት ክትመርጽ ምዃና ኣፍሊጣ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር ኣንጸላልዩዋ ንዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ሃጓፋት ክመልእ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘየለ፣ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር የረድኡ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0