ሶማል፣ ኣብ ወትሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 07 November 2022

ኣልሸባብ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሶማል ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕታት፣ ኣብ ሓደ ወትሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል ብዝፈጸሞ ስርሒት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

ኣብቲ ብ5 ሕዳር፣ ሔሮ ናክና ኣብ ዝተባህለ መሰልጠኒ ማእከል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ካልኦት ከምዝቖሰሉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ወትሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከል፣ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ከምዝተኻየደ ዝሓበረ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሜድያ፣ እቶም ግዳያት ተመልመልቲን ሰለማውያን ሰባትን ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣልሸባብ ነቲ ስርሒት ዘካይድ ዘሎ፣ ሓደ ሰሙን ድሕሪ’ቲ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ዕሙር ከባቢ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ልዕሊ 120 ሰባት ዝቐተለ ማንታ መጥቃዕታት’ዩ።

መንግስቲ ሶማል፣ ንኣልሸባብ ንምምካት ሓገዝ መሻርኽቲ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም፣ ‘ንስልጠና’ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ተመሊሶም፣ ጸጥታ ኣብ ምውሓስ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሃገሮም ክዋፈርሉ ዘይክኣሉ ምኽንያት ኣዛራቢ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0