ሶማል፣ ኣብ መንገዲ ዝተጻወደ ነታጕ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: Friday, 11 August 2023

ኣብ ሶማል፣ ዞባ ታሕታይ ሸበሌ፣ ኣብ ጎደና ዝተጻወደ ነታጕ ብምፍንጃሩ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉን 12 ድማ ከምዝቖሰሉን ተገሊጹ።

ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ፣ መሓመድ ኢብራሂም ባረ፣ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ህዝቢ እተመላልስ ሚኒባስ፣ ነቲ ኣብ ጽርግያ ዝተጻወደ ነታጕ ድሕሪ ምርጋጻ እቲ ምፍንጃር ከምዘጋጠመ ኣረዲኡ።

እቲ ኣማሓዳሪ፣ ነቲ ነታጕ ዘጻወደ ኣልሸባብ’ዩ ክብል እኳ እንተወቐሰ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ግና የለን።

ኣልሸባብ ካብ ብዙሕ ከባቢታት፣ ብሰራዊት መንግስቲ ሶማል ተደፊኡ ይወጽእ እኳ እንተሎ፣ ስትራቴጃዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለወ ቦታታት ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ምክያድ ግና ኣይሓደገን።

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ፣ ልዕሊ 25 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ መወዳእታ 2024 ካብታ ሃገር ክወጽኡ መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሶማል ድማ፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ብምምልማል፣ ንኣልሸባብ ካብታ ሃገር ጠቕሊሉ ናይ ምጽራግ ውጥን ኣውጺኡ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0