ሶማል፣ ን25 ሓምለ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ባይቶ ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 26 July 2021

ኣብ ሶማል፣ 25 ሓምለ ክኽፈት ዝነበሮ ምርጫ ባይቶ፣ ሕጂ’ውን ተሰጋጊሩ።

እቲ ትማሊ ሰንበት ክጅምር ዝነበሮ ምርጫ ባይቶ፣ ኣብ 10 ጥቅምቲ ክካየድ መደብ ንዘለዎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቅድመ ምድላው’ዩ።

ኣብ ሶማል፣ ፕረዚደንት ብቀጥታ ብህዝቢ ዘይኮነ፣ ኣቐዲሞም ብዝምረጹ ኣባላት ባይቶ’ዩ ዝምረጽ።

ዞባታት፣ ሕጹያት ኣብ ግዜኡ ክቕርባ ብዘይምኽኣለን ኮሚተ ምርጫ ብዘይምጥያሳን ከምዝተሰጋገረ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ኣፈኛ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ኢብራሂም ሙዓሊም ብወገኑ እቲ ምርጫ ከምዝተሰጋገረ እንተዘይኮይኑ፣ ምኽንያት ኣይጠቐሰን።

ምስግጋር ባይቶኣዊ ምርጫ ሶማል፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ፕረዚደንትን መራሕቲ ክልላትን ዘጋድድ’ዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ስልጣኑ ዘብቕዐ ፕረዚደንት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ መሓመድ ፋርማጆ፣ ምስ መራሕቲ ክልላት ኣይተሰማማዕናን ብምባል፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ከቕጽል ምስ ወሰነ፣ ኣንጻሩ ብዝተወልዐ ተቓውሞታት፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ 10 ጥቅምቲ ምርጫ ክካየድ’ዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0