ሶማል፣ ብቀዳም ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 100 በጺሑ

Radio Erena: 01 November 2022

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ብቀዳም 29 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ማንታ መጥቃዕታት፣ ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት 100 ከምዝበጽሐ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብሰንበት 30 ጥቅምቲ፣ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ልዕሊ 300 ሰባት ‘ውን ብከቢድን ፎኪስን ቆሲሎም ከምዘለዉ ብምዝኽካር፣ ኣህጉራዊ ሓገዝ ሓቲቱ።

ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኣብ ዘለዎ፣ ከባቢ እቲ ህንጻ፣ ነታጕ ዝተጻወደን ክልተ መካይን፣ በብናይ ደቓይቕ ፍልልይ ድሕሪ ምፍንጃረን፣ ህዝቢ ካብ ናብን ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፣ ዕጡቓት ኣልማማ ተዅሲ ከምዝኸፈቱ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ይገልጹ።

ኣብቲ ቦታ፣ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ኣብ 14 ጥቅምቲ 2017፣ ብዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ልዕሊ 500 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ንዝወቕሶ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ተጀሚሩ ዘሎ ኵናት ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣልሸባብ፣ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዋስን፣ ማእከላይ ዞባ ሶማል፣ ሓይልታቱ ኣደልዲሉ ከምዘሎ’ዩ ዝንገረሉ።

ብድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ዝተሰነየ ሰራዊት ሶማል፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን ኣብቲ ዞባ ኣብ ወፍሪ ይርከብ።

ካብቲ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ተደጋጋሚ ዶብ – ሰገር መጥቃዕታት ዝተፈነወላ ኢትዮጵያ ብወገና፣ ኣስታት 2 ሽሕ ሰራዊት ብምልኣኽ ነቲ ወፍሪ ተጸንቢራቶ ምህላዋ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0