ሶማል፣ ብሰንኪ ደርቂ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ተጽባዪ ረዲኤት ኮይኑ

Radio Erena: 23 November 2021

ኣብ ሶማል፣ ብሰንኪ ደርቂ፣ ኣስታት 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ንከቢድ ስእነት ማይን መግቢን ተቓሊዑ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ምስ መንግስቲ ሶማል ብምዃን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር ብተኸታታሊ ንራብዓይ እዋኑ ዝቐጸለ ትሑት ናይ ዝናብ ወቕቲ’ዩ ጠንቒ’ቲ ደርቂ።

ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ሸነኽ እታ ሃገር፣ ኣስታት 100 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ፣ ማይን መግብን ንምምእራር፣ ከብቲ ጤሌበጊዕን መጽዓኛን ኣሰንዩ፣ ይሳግም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ብፍላይ ስእነት ማይ፣ ንነበርቲ ሓያሎ ከባቢታት፣ ንዝተፈላለየ ብርስሓት ዝስዕብ ተላገብቲ ሕማማት ከየቓልዖም ተሰጊኡ ኣሎ።

ኩነታት ደርቂ ሶማል ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ዝመጽእ ዓመተ 2022 እትሒዙ፣ ንኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ማይ ሞትን ህይወቱን ሓደጋ ከንጸላልዎም ከምዝኽእል ኮሚሽን ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ኣስታት 16 ሚልዮን ካብ ዝበጽሕ ህዝቢ ሶማል፣ እቲ ልዕሊ 70% ኣብ መስመር ትሕቲ ድኽነት ከምዝርከብ ዘመልከተ ጸብጻብ ናይቲ ትካል፣ ዝመጽእ ዓመት ተጸባይ ረዲኤት ዝኸውን ህዝቢ ሶማል ድማ ብልዕሊ 30% ክዛይድ ምዃኑ ይእንፍት።

እዚ ማለት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ሶማል ኣስታት 5.9 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረዲኤት ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዓመተ 2022 እቲ ብዝሒ ናብ 7.7 ሚልዮን ክዓርግ’ዩ። እዚ ድማ ዳርጋ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ሶማል ምዃኑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0