ሶማልያ፣ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሮም ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ናብ ሞቛድሾ ክግዕዙ ጸዊዓ

Radio Erena: 31 May 2019

መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኬንያ፣ ከተማ ናይሮቢ ዝመደበሮም ኣህጉራውያን መሻርኽቲ፣ ናብ ሞቛድሾ ክግዕዙ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጸዊዑ።

እታ ሃገር ነዚ ጻውዒት ተቕርብ ዘላ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዲፕሎማስያውን ምስሕሓብ ተኸሲቱ ስለዘሎ’ያ።

ሚኒስተር ጥዕና ሶማል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ሶማላውያን ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ መገሻ መሰናኽል፣ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝካየድ ዝተፈላለየ ኣኼባታትን ካልእ መደባትን ምስታፍ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፣ ኣብ ሶማል ዘድሃበ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ዘካይዳ፣ ኣህጉራውያን ትካላት፣ ናብ ሞቛድሾ ክግዕዛ ተማሕጺና።

ዝበዝሓ ካብቶም ናብ ሶማል ዘድሃበ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ዘለወን ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ ከተማ ናይሮቢ’ዩ መደበረን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ናይ ሶማልያ ፓስፖርት ዝሓዙ፣ ሓደ ሚኒስተርን ክልተ ኣባላት ፓርላማን፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ተዓጊቶም ድሕሪ ምውዓል፣ ናብ ዓዶም ከምዝተሰጎጉ መንግስቲ ሶማል ምግላጹ ይዝከር።

ኬንያ፣ ካብ ሶማል ዝካየድ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ብሰንኪ ጸጥታ ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ ሶማል፣ እዚ ናይ መንግስቲ ኬንያ ስጉምታት፣ ፖለቲካዊ ምኽንያታት ከምዘለዎ’ዩ ዝወቅስ።

ንዝምድና ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ብኣሉታ ይጸሉ ከምዘሎ ይጠቅስ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0