ሶማልያ፡ ጻንሒት ዓቃብ ሰላም ‘ኣሚሶም’ ብ3 ወርሒ ተናዊሑ

Radio Erena: 23 December 2021
ኣብ ሶማልያ ዓሪዱ ዘሎ ስርሒት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ‘ኣሚሶም’ (Amisom) ንተወሳኺ ሰለስተ ወርሒ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጽዲቑ። በዚ መሰረት እቲ ዓቃብ ሰላም ክሳብ 31 መጋቢት 2022 ክጸንሕ እዩ።

‘ኣሚሶም’ ስርሒቱ ወዲኡ ካብ ሶማልያ ክወጽ’ኳ እንተነበሮ በብግዚኡ ክናዋሕ ዝጸንሐ ሓፈሻዊ ምርጫ ክሳብ ዝትግበር ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይምርግጋእ ከይብእስ ንምክልኻል ንተወሳኺ ግዜ ክጸንሕ ተቐሲቡ ኣሎ።

‘ኣሚሶም’ ጸጥታዊ ኩነታት ሶማልያ ንምርግጋእን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምድጋፍን እዩ ኣብ 2007 ብደገፍ ባይቶ ጸጥታ ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ተመስሪቱ።

እቲ ዓቃብ ሰላም ስርሒቱ ኣብ 2019 ክውድእ’ኳ እንተነበሮ፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ሓይሊ እናደለቡ ብምምጽኦምን ሓያሎ ክፋላት እታ ሃገር ተቖጻጺሮም ብምህላዎምን ንዕኦም ንምክላኽል፣ ተልእኾኡ በብግዚኡ ክናዋሕ ጸኒሑ።

ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ ሶማልያ፣ ወተሃደራት መሰጋገሪ መንግስቲ ኣትኪሎም ዘይዋግኡን ሓቦ ዘይብሎምን ብምኻኖም ‘ኣሚሶም’ እንተወጺኡ ኣል ሸባብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንሶማልያ ክቆጻጸራ ምዃኑ የጠንቅቑ።

ገለ ውን ምስ ምውጻእ ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታንን፣ ምምላስ ጣሊባን ናብ ስልጣንንን ብምትእስሳር ሶማልያ ተመሳሳሊ ዕጫ ክገጥማ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0