ሶማልን ኬንያን፣ ብጉዳይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተሰሓሒበን

Radio Erena: 17 June 2022

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዲፕሎማስያዊ ርክባት፣ ባንዴራ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ምንብልባሉ፣ መንግስቲ ሶማል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

ናብቲ ርክብ ዝተዓደመ ኣምባሳደር ሶማል፣ ባንዴራ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ተሰቒላ ምስ ርኣየ፣ ካብቲ ኣኼባ ክካይደሉ ዝተወጠነ ኣዳራሽ ከምዝወጸ ኣፍሪካን ኒውስ ኣረጋጊጹ።

ድሕሪ ምስሓብ ኣምባሳደር ሶማል ካብቲ ዘተ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኬንያ በቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ከምዝሓዘነን፣ ባንዴራ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብቲ ኣዳራሽ ክትስቐል ምስቓላ ጌጋ ምንባሩ ከምዝኣምንን ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሓንቲን ብፈደራላዊ ስርዓት እትምራሕ ሉኣላዊትን ሶማል ከምዝኣምን ብምጥቃስ፣ ብሰንኪ’ቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ንዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ባንዴራ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተሰቕተትሉ ኣዳራሽ፣ ወኪል ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ምንባሩን ዘይምንባሩን እቲ መግለጺ ኣየነጸረን።

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ዝፈጸሞ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ሶማል፣ ከምኡ ድማ ዋንነት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ገማግምን ዝተሓዋወሶ ሕልኽላኽ ዝምድና ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብ 2020ክሳብ ዲፕሎማሲ ናብ ምብታኽ በጺሑ ኔሩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታው፣ ንርእሰ ምምሕዳራት ኣፍልጦ ይህብን ይድግፍን ኣሎ ክብል መንግስቲ ሶማል ይወቕስ ይወቕስ ኔሩ።

ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ነሓሰ 2021ዝምድንአን ኣብ ዳግም ከሐድሳ ምስምምዐን ኣይርሳዕን።

እዚ ሕጂ ደጊሙ ዝቀላቐል ዘሎ ምስሕሓብ፣ ፕረዚደንት ኬንያ፣ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ኣብ ሞቛድሾ ኣብ ዝተኻየደ፣ ስነ ስርዓት ምምራቕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ተሳቲፉ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝተመልሰሉ ሓደ ሰሙን’ዩ ኣጋጢሙ።

ሶማሊላንድ፣ ካብ 1991 ኣትሒዛ ካብ ሶማል ተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር መስሪታ እኳ እንተላ፣ ከም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር፣ ኣህጉራዊ ኣፍልጢ ኣይተዋህበን።

ይኹን’ምበር ሓያሎ ሃገራት ምስዛ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዲፕሎማሲ፣ ጸጥታ፣ ንግዲን ቁጠባን ዘተኮረ ዝምድናታት መስሪተን ኣለዋ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0